ቡርኪና ፋሶ፡ ምስ እስላማውያን ዕጡቓት ክዛተ ቅርብቲ እየ ኢላ

ኣብቲ ዞባ ዋላ እኳ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ስርሒታት ይካየድ እንተኾነ፡ ጃሃዳውያን ዕጡቓት ዘውርድዎ ዘለዉ መጥቓዕትታት'ውን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እዩ ዝዛይድ ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

መንግስቲ ቡርኪና ፋሶ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስቶም ኣብቲ ሃገራት ሳህለ ሳህራ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትታት ዘካይዱ ዘለዉ እስለማውያን ዕቱቓት ዘተ ክገብር ድሉው ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዞባ ዋላ እኳ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ስርሒታት ይካየድ እንተኾነ፡ ጃሃዳውያን ዕጡቓት ዘውርድዎ ዘለዉ መጥቓዕትታት'ውን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እዩ እናዛየደ ዝኸይድ ዘሎ።

ነቲ ኣብቲ ዞባ ብጀሃዳውያን ዕቱቓት ዝግበር ደባያዊ መጥቃዕትታት ንምቁጽጻር ፈረንሳ ልዕሊ 5000 ሰራዊት ኣብቲ ዞባ ኣዋፊራ ምህላዋ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ቡርኪና ፋሶ ክሪስቶፍ ዳቢረ ብሓሙስ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ መንግስቲ ምስቶም ኣብቲ ዞባ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ዘካይዱ ዘለዉ እስላማውያን ዕጡቓት ንምዝታይ ቕሩብ ምህላዉ ገሊጹ።

ንሱ ኣብቲ ዘስምዖ መደረ፡ ምብሑጓግ ጸጥታ ከብቕዕ ኣለዎ ብምባል እቶም ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ዝፈጸሙ ግን ተሓተትቲ ናይቲ ዝፈጸምዎ ግብረሽብራዊ መጥቓዕቲ ምዃኖም ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ።

ጎሮባብቲ ቡርኪናፋሶ ዝኾና ሃገራት ማሊን ኒጀርን'ውን ኣቐዲመን ምስቶም እስለማዊ ዕጡቓት ክዛተያ ቅሩባት ምህላወን ምግላጸን ይፍለጥ እዩ።

ፕረዚደንት ማሊ ነበር ኢብራሂም ባባኮር ከይታ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ፡ መንግሰቲ ምስቶም ምስ ኣልቓዒዳ ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዝግለጹ ኣብቲ ዞባ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ዘካይዱ እስላማውያን ጉጅለታት ዘተ ከካይድ ድሉው ምህላዉ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ ነቲ ዝበሎ ኣብ ዝኾነ ደረጃ ከየብጽሖ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣን ተኣልዩ።

ኣብቲ ዞባ ሰራዊቱ ኣዋፊሩ ዝርከብ መንግስቲ ፈረንሳ ግን ነቲ እተን ሃገራት ምስ ጅሃዳዊ ጉጅለ ንምዝታይ ድልዋት ኣለና ምባለን ተቓዊምዎ ኣሎ።