ኣብ ናይጀርያ 30 ጀነራላት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ኣብ ናይጀርያ 30 ጀነራላት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ምንጪ ስእሊ, STRINGER

Published

ኣብ ናይጀርያ፡ 30 ወተሃደራውያን ጀነራላት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉ ሰራዊት ናይጀርያ ሓቢሩ።

እቶም ጀነራላት፡ ኣብ ወተሃደራዊ ጉባኤ ድሕሪ ምስታፎም እዮም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

ሓደ መጀር ጀነራል ድሕሪ እቲ ጉባኤ ንቑሩብ መዓልታት ሓሚሙ በቲ ቫይረስ ምስ ሞተ እዮም መርመራ ክገብሩ ትእዛዝ ተዋሂብዎም።

እቲ ዝካየድ ዝነበረ ጉባኤ'ውን ተሰሪዙ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ፤ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ እናወሰኸ ከምዝመጸን፡ ሓዲሽ ደግሲ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ከይህሉ ይስጋእ ኣሎ።

ኣብ ናይጀርያ፡ ዛጊት 73,175 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፡ ከባቢ 1197 ድማ ሞይቶም ኣለው።

ብዓለም ደረጃ፡ ልዕሊ 70 ሚልዮን በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንለው፡ 1.61 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ከምዘለው ይግለጽ።

ኮሮና