ኣውስትራልያ፡ ንምምሕዳር ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ከልተ ዝገመዐ እንስሳ ዘገዳም

ኮዋላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

መንግስቲ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ 'ኮዋላ' ተባሂሎም ዝፅውዑ እንስሳት ዘገዳም ብኸመይ ሓለዋ ንግበረሎም ኣብ ዝብል ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም፡ ኣብ ክልተ ከምዝተኸፈሉ ተገሊፁ።

ናብ መሓውር መንግስቲ ኣብ ቀረባ ግዘ ዝተፀምበረ ብሄራዊ ሰልፊ፡ ብሰንኪ እቲ ምሕደራዊ ቅልውላው መንግስቲ ዘቕርቦም ፖሊሲታት ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ መንግስቲ ንኮዋላታት ዝቐረበ ፖሊሲ ስለዝቃወም እዩ ኢሉ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ሰልፊ ጆን ባሪላሮ፡ "ንሕና ኣንጻር ኮዋላ ኣይኮናን" ብምባል፡ ሓገግቲ ሕጊ ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ ኣባላት ውድብ ሊበራል ኣብ ባይቶ ክእከቡ ከምዘይደልዩ ገሊፁ።

እዚ ጭቕጭቕ፡ ኣብ ሲድኒ ሄራልድ "ናይ ኮዋላ ኩናት" ዝብል ስያመ ከምዝተዋህቦን፡ ቀንዲ መንቀሊኡ ድማ፡ ምስቲ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ዘፅደቖ ፖሊሲ ሓለዋ ከባቢ ዝዛመድ እዩ።

እዚ ሕጊ ኮዋላታት ንምሕብሓብን ንምሕላውን፡ ከምኡ እውን ከባቢኦም ምቹእ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ እንድሕር ዘይተወሲዱ፡ ኣብ 2050 ኮዋላታት ካብ ምድሪ ክጠፍኡ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ ነይሩ።

እንተኾነ ምክትል ሓላፊ እቲ ውድብ ጆን ባሪላሮ፡ እቲ ፖሊሲ ንኮዋላታት ካብ ምውሓስ ሓሊፉ፡ ዜጋታት ንካልእ ፀገም ክቃልዑ ዝገብር እዩ ኢሉ።

ሰፊሕ መሬት ዘለዎም ሰባት፡ መሬቶም ብኸመይ ከመሓድሩ ከምዝግባእ ክነግር ዝፍትን እዩ ብምባል ድማ ነቒፉ።

እቲ ፖሊሲ ምስ ኮዋላ ዘራኽብ የብሉን ዝበለ ጆን ባሪላሮ፡ "ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ሰብ ዋና መሬት ንምጥቓዕ ዝዓለመ እዩ። እዚ ብሄራዊ ሰልፊ ብዝሒ ኮዋላታት ክውስኽ እዩ ዝደሊ። ንሕና ፀረ ኮዋላ ኣይኮናን" ኢሉ።

ይኹን'ምበር ፖለቲከኛታት ሰልፊ ሊበራል፡ እዚ ስጉምቲ ግቡእን ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝድግፍን ምዃኑ ገሊፆም።

ገለ ተሓለቕቲ ሓለዋ ከባቢ ድማ፡ እቲ ዘሎ ናይ መንግስቲ ፖሊሲ፡ እንስሳታት ንምውሓስ እኹል ኣይኮነን ብምባል ይካትዑ።