መስርሕ ፍርዲ ቕትለት ጀነራል ሰዓረን ሜ/ጀነራል ገዛኢን፡ ንስድራ ክፉት ክኸውን ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, PMO/ETV
መስርሕ ፍርዲ ቕትለት ጀነራል ሰዓረን ሜ/ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ንስድራ ክፉት ክኸውን ከም ዝተወሰነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ፍርዲ ብፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ቕትለት ኢታማጆር ሹም እታ ሃገር ዝነበረ ጀነራል ሰዓረ መኮንንን ሜ/ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ ክቕጽል ተወሲኑ ኢሉ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ብ17 ሰነ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ዘካየዶ መጋብኣያ፡ ገለ ኣብያተ ፍርዲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ብምዕጻወን፡ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ክትዕ ተቋሪጹ ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል እቲ ጉዳይ ንክቕጽል ስለ ዝወሰነ፡ ተኸሳሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ጉዳዪ ብፕላዝማ ክከታተል እዩ ተባሂሉ።
እቲ መጋብኣያ፡ ካብ 23 ሰነ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝህሉ ተኸታተልቲ መዓልታት፡ ስድራ ግዳያትን ውሱናት መራኸብቲ ሓፋሽን ተረኺቦም ክከታተሉ እዮም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቢቢሲ ንስድራ ግዳያት ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን ምስክርነቶም ክህቡ ከም ዘይክኣሉ ገሊጾም ነይሮም።
በዓልቲ ቤት ጀነራል ሰዓረ መኮንን ኮሎኔል ጽገ ኣለየማሁ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ መስርሕ ፍትሒ እቶም ግዳያት ግቡእ ትኹረት ከም ዘይተውሃቦ ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ኣበይ ከም ዝበጸሐ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዝዝረብ ወጻኢ ዝፈልጦ ነገር የለን ኢላ ነይራ።
በዓልቲ ቤት ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ ተጋዳሊት ኣበባ ዘሚካኤል ብወገና፡ ኣብ መስርሕ ፍትሒ ስድራ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ'ውን ተመሳሳሊ ቅርታ ኣልዒላ ነይራ።
ኢታማጆር ሹም ዝነበረ ጀነራል ሰዓረ መኮንን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጥሮታ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 15 ሰነ 2011 ዓ.ም፡ ብሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ' ንምክያድ ከም ዝተፈተነ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ባህርዳር ፕረዚደንት እቲ ክልል ዶክተር ኣምባቸው መኮንን ሓዊሱ ሰለስተ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ምሟቶም ይዝከር።
ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ምምሕዳርን ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ፡ ኣወሃሃዲ እቲ 'ዕልዋ'ን ቕትለት ሰበ ስልጣን መንግስትን ከም ዝኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገልጽ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
