ሕቡራት ሃገራት፡ ብኣባላቱ ንዝተፈጸመ ጾታዊ ተግባራት 'ኣመና ዘሰንብድ' ክብል ኮኒንዎ

Published

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ እስራኤል ኣብ ወግዓዊ መኪና እቲ ትካል ዝተራእየ ጾታዊ ተግባራት "ኣመና ዘሰንብድ" ክብል ኮኒንዎ።

እቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዘርእዮ፡ ሓንቲ ጓል ኣብ ሓንቲ ናይቲ ውድብ መኪና ኮይና፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብኣይ ኮፍ ኢላ ጾታዊ ተግባራት ክትፍጽም የርኢ።

እቲ ምስሊ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተልኣቪቭ ከምዝተሳእለን ብማሕበራዊ ሚድያ፡ ብብዙሕ ከምዝተዘርገሐን ተገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ምርመራታት ከምዝጀመረን፡ ነቶም ነቲ "ብዕሉግ" ተግባር ዝፈጸሙ ንምልላይ ይሰርሕ ከምዘሎን ገሊጹ።

እቶም ኣብዚ ጾታዊ ተግባራት ዝተሳተፉ፡ ኣባላት ናይቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ኣፈኛ እቲ ውድብ ነቲ ተግባር "ፍንፉን" ክብል ገሊጽዎ። እዚ ተግባራት ድማ፡ ኣንጻር እቲ ንሕና እንኽተሎ መትከል እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ውድብ ሕቡራት፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ጾታዊ ብልሽውና ንከይሳተፉ ዝእግድ ተሪር መምርሒታት ኣለዎ።

ኣብ 2019፡ ከባቢ 175 ክስታት ጾታዊ ምዝመዛን፡ ከምኡ'ውን ጾታዊ ግህሰታትን ኣንጻር ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተመስረተ ጸብጻባት ይሕብሩ።