እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደ ወተሃደር ኣመሪካ ነበር ኣብ ሩስያ ብስለያ ተኸሲሱ ን16 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ
ወተሃደር ኣመርካ ነበር ፖል ዌላን፡ ኣብ ሩስያ ይስልል ነይሩ ብዝብል ገበን ተኸሲሱ፡ ናይ 16 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
እቲ ኣመሪካዊ፡ ቅድሚ 18 ኣዋርሕ'ዩ ኣብ ከተማ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ኣብ ትሕኢ ቀይዲ ኣቲዩ።
ኣብቲ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለሉ እዋን፡ ምስጢራዊ ሰነዳት ድሕነት ዝሐዘ ፍላሽ ዲስክ ኣብ ኢዱ ከምዝተረኸቦ ሓለፍቲ ጸጥታ እታ ሃገር ይዛረቡ።
ቤት ፍርዲ ከተማ ሞስኮ፡ 'ምስጢራዊ ሓበሬታ ይእክብ ከምዝነበረ ኣረጋጊጸ' ክብል እዩ ገበነኛ ዝበሎ።
እዚ ናይ ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ፣ ካናዳን ኣየርላንድን ዜግነት ዝለዎ ውልቀሰብ፡ ነቲ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ሒዙ ዝተብሃለ ፍላሽ 'ናይ በዓል ኣሳእል ዝሓዘ ፍላሽ ዲስክ እዩ' ክብል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ ነይሩ።
እቲ ብይን ኣብ ዕጽዉ መጋባእያ ምዃኑ ድማ፡ ኣውጊዙ ነይሩ።
ኣብ ሩስያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ጆን ሱሊቫን፡ እቲ ብይን ናይ ክልቲአን ሃገራት ርክብ ከበላሽዎ ከምዝኽእል እዩ ተዛሪቡ።
ፖል ዌላን መን እዩ?
ወዲ 50 ዓመት ፖል ዌላን፡ ዜግነት ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ እንግሊዝን ኣየርላንድን ኣለዎ።
መበቆሉ እንግሊዛዊ ኮይኑ፡ ኣብ ካናዳ ተወሊዱ። ካብኡ ድማ ህጻን እንከሎ ምስ ወለዱ ናብ ግዝኣት ኣመሪካ ዝኾነት፡ ሚቺጋን ግዒዙ።
ኣብ 1994፡ ናብ ምክልኻል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተጸንቢሩ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ሚቺጋን ን6 ኣዋርሕ ፖሊስ ኮይኑ ምሰ ሰርሐ እዩ።
ኣብ 2004ን 2006ን ናብ ዒራቅ ተጓዒዙ ነይሩ። ካብኡ ድማ፡ ወተሃደር ኣመሪካ እንከሎ ንሩስያ ከይዱ።
ካብኡ ብርክት ዝበሉ ግዝያት ናብታ ሃገር ከምዝተመላለሰ ታሪኽ ጉዕዝኡ የመልክት።