ጣሊባን ብምኽንያት ዒድ ንሰለስተ መዓልቲ ውግእ ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ

ጣሊባን ተዋጋእቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ጣሊባን ንሰለስተ መዓልቲ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ዝግበር ልውውጥ ተኹሲ ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ'ሎ። እዚ ድማ ሎሚ ሰንበት ንዝኽበር ዘሎ በዓል ዒድ-ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር እዩ።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ዝፍጽሞ መጥቃዕትታት ኣሐይሉ እዩ ቀንዩ።

ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን፡ ኣሽራፍ ጋኒ፡ ነቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ሓሳብ ተቐቢልዎ ኣሎ። ወተሃደራቱ ነዚ ከኽብርዎ ምዃኖም እውን ገሊጹ።

እዚ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ኣብታ ሃገር ቀጻሊ ጎንጽታት ኣብ ምንካይ ግደ ይህልዎ ይኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ፈጢሩ'ሎ።

እንተኾነ፡ ኣብ 2018 ብተመሳሳሊ ንዒድ-ኣልፈጥር ዝተኣወጀ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣይዘለቐን።

"ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝኾነ ናይ መጥቃዕቲ ስርሒት ከይተካይዱ። መጥቃዕቲ እንተደኣ ወሪድኩም ግን፤ ንነብስኹም ተኸላኸሉ" ኢሉ ውሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

ወሲኹ ድማ፡ እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኩነት ንዒድ-ኣልፈጥር ጥራይ ዝተኣወጀ ምዃኑ ተዛሪቡ።

"እቲ ተኹሲ ደው ንምባል ዝቐረበ ጻውዒት እቕበሎ እየ" ክብል ድማ ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ። "ወተሃደራት ነቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክትግብርዎ ኣዚዘ እየ። መጥቃዕቲ እንተወሪድዎም ጥራይ እዮም ንርእሶም ክከላኸሉ" ድማ ኢሉ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ወተሃደራታ ክትስሕብ ምስ ጣሊባን ስምምዕ ምስፈረመት፡ ኣፍጋኒስታውያን ኮኑ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ፡ ጎንጺ ክንኪ እዩ ዝብል ተስፋ ነይርዎም።

እንተኾነ፡ ኣብ ምልውዋጥ እሱራት ምስተበጽሐ፡ እቲ ልዝብ ኣይቀጸለን። ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት መንግስቲ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ክውስኽ ተራእዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ከተማ ካቡል ኣብ ሓደ ናይ ሕርሲ ሆስፒታል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብብዙሕ ወገን ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ። ጣሊባን ግን ነቲ መጥቃዕቲ ኣይፈጸምኩን እዩ ዝብል።

ድሕሪ'ዚ ድማ፡ ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ኣብ ልዕሊ ጣሊባንን ካልኦት ጉጅለታትን ዝግበር መጥቃዕትታት ክቕጽል ኣዚዙ እዩ።

ዕጡቓት ብተደጋጋሚ ንዝቐረበሎም "ጎንጺ ናይ ምንካይ" ጻውዒት ዕሽሽ ከምዝበልዎ እዩ እቲ ፕረዚደንት ዝገልጽ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብምኽንያት ረመዳን ተኹሲ ደው ክብል ብመንግስቲ ንዝቐረበ ጻውዒት፡ ጣሊባን ኣይተቐበሎን ነይሩ።