ኤምባሲ ዓባይ ብሪጣንያ ሰራሕተኛታቱ ካብ ኤርትራ ይስሕብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ንምብልኦም ሰራሕተኛታቱ ካብ ኤርትራ ይስሕቦም ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝወጽአ መግለጺ፡ "እቲ ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ዝቕየር ዘሎ ኩነታት" ምኽንያት ብምግባር፡ ንግዚኡ ንኹሎም ሰራሕተኛታቱ ካብታ ሃገር ከምዝውጽኦምን፡ እቲ ኤምባሲ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ዕስራን ዓርባዕተን ሰዓታት ቆንስላዊ ሐገዝ ከምዝህብን ገሊጹ።
ካልኦት ካብ ኣስመራ ክወጽኡ ዝደልዩ ወጻእተኛታትን ዲፕሎማሴኛታትን ከኣ ኣቐዲሞም ናይ መገሻ ፍቃድ ክሓቱ እቲ ኤምባሲ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኤምባሲ ስለምንታይ ንሰራሕተኛታቱ ካብ ኤርትራ ክስሕቦም ከምዝተገደደ ግን ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ መንግስቲ ኣሜሪካ እውን ኣቐዲሙ ን29 ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ከምዝመለሶም ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ኤምባሲ፡ እቲ ምውጻእ ዜጋታት ኣመሪካ፡ ምስ ኤምባሲታት ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባር ከምዘካየዶን፡ ኣብታ ነፋሪት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከምዝነበሩ እኳ እንተገለጸ፡ ክንደይ ሰባትን ደቂ ኣበይ ሃገር ምዃኖም ግን ኣየነጸረን።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቊጽጻር፡ ካብ 2 ሚያዝያ 2020 ኣትሒዙ ዝጸንዐ ምሉእ ዕጽዋ ኣዊጁ ይሰርሕን ነቲ "ምርጋጥ" ንዘይተወሰነ እዋን ከምዘናውሖን ይፍለጥ።
ኣብ ኤርትራ፡ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 39 ሰባት፡ እቶም 11 ምሉእ ብምሉኡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ሚኒስትሪ ጥዕና ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
