ኣብ ኤርትራ 3 ብኮቪድ-19 ተታሒዞም ዝነበሩ ምሉእ ብምሉእ ሐዊዮም

ምንጪ ስእሊ, Yeman G/meskel
Published
ኣብ ኤርትራ 3 ብኮቪድ-19 ተታሒዞም ዝነበሩ ምሉእ ብምሉእ ከምዝሐወዩ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ።
እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ 4 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝረኽቡ'ውን ጠቒሱ።
እቶም ሰለስተ፡ ኤርትራ ዓለምለኻዊ በረራታት ቅድሚ ምእጋዳ ከምዝኣተው፡ እቲ ሓደ ግን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ገይሹ ከምዘይፍለጥ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።
ካብቶም ዝተለኽፉ፡ እተን ሰለስተ ደቂ- ኣንስትዮ እየን።
በዚ መሰረት ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 39 ክብ ኢሉ'ሎ።
ኤርትራ፡ ኣብ መጋቢት 21 ሓደ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ኤርትራዊ ምስ ተረኽበ ድማ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ገለ ትካላት ንግዲ ክዕጸዋን ምንቅስቓስን ምእካብን ክድረት ተወሲኑ።
ብ23 መጋቢት ቁጽሪ ዝተለኽፉ እናወሰኸ ምስ ከዳ ኸኣ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር ኩሉ "ንግዳዊ" በረራታት ተኣጊዱ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ብ26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ካብ 27 ጀሚሩ ኣብያተ ትምህርቲን መጓዓዝያን ደው ክብል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ብ1 ሚያዝያ ድማ፡ ብስም "ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም" ዝወጸ መግለጺ፡ መንግስቲ ምሉእ ዕጽዋ ከም ዝኣወጀ ኣፍሊጡ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
