እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ጠንቂ ዘይምቅድዳው ፋብሪካ ዓለባ ቬሎሲቲን ሰራሕተኛታቱን እንታይ እዩ?
ኣብ ትግራይ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ዓለባ ቬሎሲቲ፡ ኣብ መንጐ ሰራሕተኛታትን ምምሕዳር እቲ ፋብሪካን ዘይምቅድዳው ተፈጢሩ ምንባሩ ተገሊፁ ነይሩ። እቲ ዘይምቅድዳው መበገሲኡ እንታይ እዩ? ብምኽንያት እቲ ዘይምርድዳእ ብፍላይ ኣብ ደቀንስትዮ ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ እንታይ ዝወረደ ፀገም ኣሎ? እቲ ዘይምርድዳእ ኸ ብኸመይ ተኣልዩ? ቢቢሲ ንምምሕዳር እቲ ፋብሪካን ዛጊድ ንዝተረኸባ ደቀንስትዮ ሰራሕተኛታትን ሓቲቱ ኣሎ።
ደቀንስትዮ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ቬሎሲቲ፡ በደል በፂሑና፤ ክሳብ ኣብ ደገ ክንሓድር ተደፊእና ምባል ከምዝበፀሓ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ወረ ይገልፅ። ኣብዚ ሓለፍቲ እቲ ፋብሪካ እንታይ ይብሉ።
ሓላፊ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ እቲ ፋብሪካ ኣይተ ገብረህይወት ገብረ ይበሃሉ ብዛዕባ እቲ ምስ ሰራሕተኛታቶም ዝተፈጠረ ዘይምቅድዳው ይገልፁ።
"ምስ ኮሮናቫይረስ ስግኣት ዝሓደረን፡ ኣብ ልዕሊኡ ካብ ስድራ እውን ሓያል ድፊኢት ኣለና ዝበላ ደቀንስትዮ፡ ናብ ወለድና ክንከይድ ኣለና ዝብል ሕቶ ኣቕሪበን። ንሕና ድማ (እቲ ኩነታት ኣብቲ ፈለማ ንኽልተ ቕነ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ዝተኣወጀሉ ግዜ ስለዝነበረ) ሕዚ ምኻድ ኣይፍቀድን፤ ክትከዳ እንተደለኽን እውን መጓዓዝያ ኣይትረኽባን፤ ኩነታት ክሳብ ዝሃድእ ፅንሓ ኢልናየን። ንኣካላት መንግስቲ እውን ኣፍሊጥና፤ ባዕልቶም እውን መፂኦም ገሊፆምለን" ይብል።
እተን ሰራሕተኛታት ክንከይድ ስለዝበላ ክኸዳ ኣይፈቐድናለንን ዝብሉ እቶም ሓላፊ "ወፂኤን ናበይ ክኸዳ? ኣብ ጭንቀት እየን ክኣትዋ" ብምባል ይገልፁ።
ደሓር ግን ኣካላት መንግስቲ መፂኦም ተመኺረን ስለዝኣበያ፡ ክፍልታት መደቀሲኤን ተሓሲመን፡ ኣብ መረባ እቲ ፋብሪካ ሓዲረን ንፅባሒቱ መካይን ኣምፂኦምለን እየን ከይደን ኢሎም ኣይተ ገብረህይወት።
"ለሚንናየን እንድሕር ኣብየን፡ እንታይ ክንገብር፡ ኣገዲድና ኣብ መደቀሲ ክፍልታትክን ሕደራ ክንብለን ኣይንኽእልን። ኣብ ደገ ሓዲረን ማለት ካብቲ ፋብሪካ ወፃኢ እንተይኰነስ ኣብ ጥቓ እቲ መደቀሲ ክፍልታት ኰይኑ ግን ኣብ ደገ እየን ሓዲረን። እምበር ናብ ደገ ተደፊኣ ወፂኣ ዝሓደረት ዋላ ሓንቲ ቈልዓ ኣይትረኽቡን። ከምኡ ትብል እንድሕር ሃልያ ንሕና ተሓተቲ ንኸውን፤ ምኽንያቱ ናበይ ክንሰደን" ኢሎም ኣይተ ገብረህይወት።
ሓላፊት ክፍሊ ስልጠናን ዕብየትን እቲ ፋብሪካ ወይዘሪት ተፈታዊት ገብረመድህን ብግዲኤን፡ እቲ ዘይምርድዳእ እተን ሰራሕተኛታት ነቲ ብመንግስቲ ትግራይ ዝተደንገገ ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ዘለዎ ክንቀሳቐስ ኣይኽእልን ዝብል ክቕበለኦ ብዘይምኽኣለን ዝተፈጥረ እዩ ይብላ።
"እቲ ሕቶ ምስ ኣቕረባ ንሕና ኣረዲእናየን ኢና፤ ኣብቲ ፋብሪካ ምዃን ከምዝበልፀን ኣብ ዘስግእ ኩነት ከምዘየለዋ ነጊርናየን ኢና። እቲ እግድ እውን ንኽልተ ሰሙን ጥራይ ከምዝዀነን ብድሕሪኡ ኩነታት ርኢኻ ዝውሰን ከምዝዀን ገሊፅናለን። ኰይኑ ግና ብዝተፈላለያ ጎስጐስቲ ደቀንስትዮ ኣዲመን። ብርግፅ እታ መበገሲ ነናብ ዓድና ክንከይድ ኢና ንደሊዝብል እዩ፤ ክንከይድ ኢና ጥራይ እውን እንተይኰነስ መካይን ኣምፂእኹም ስደዱና እየን ኢለን" ይብላ።
እቲ ሕቶ ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ትካል ምዃኑ ዝገልፃ እተን ሓላፊት ከም ትካል ነቲ ዝወጽአ ሕጊ ክንቅበል ነይሩና ይብላ።
"ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ እውን መፂኦም ከረድእወን ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ድልየተን ብሓይሊ ከፈፅማ ይደልያ ነይረን። ኣብ ደገ ሓዲረን ዝብል ወረ ንሕና እውን ሰሚዕናዮ ኢና። ብወገንና እቲ ዝወሰደኦ ስጉምቲ ጌጋ ከምዝዀነን ተጣዒሰን ንኽፀንሓን ናብ ስራሕ ክምለሳን እውን ዓብዪ ጻዕሪ ኣካይድና ኢና። ኣብ መወዳእታ ግን ሰብ ኣገዲድና ከነጽንሕ ግቡእ ስለዘይኰነ ብዝወሰነኦ ክኸዳ ተቐቢልና ኢና" ብምባል ገሊፀን።
ፅንሓ ኣይንፀንሕን ክንከይድ ኢና ዝብል ክትዕ ክካየድ ውዒሉ ኣብ መንጉኡ ስለዝመሸየ፡ እምበኣር ኣብ መደቀሲ ክፍልታተን ክሓድራ እውን ተነጊርወን ከምዘይተቐበላ ዝገልፃ ወይዘሪት ተፈታዊት እቲ ትካል ብመሳርሕተን ኣለሚኑ ኣብ መደቀሲኤን ክሓድራ ዝተገብረ ፃዕሪ እውን ከምዘይሰመረ ይዛረባ።
ተጣዒሰ እየ ኢላ ንእትምለስ ሰራሕተኛ ዕድል ተዋሂቡ እዩ። ኰይኑ ግና እተን ሰራሕተኛታት ቅዋመን ኣይቀየራን። ስለ'ዚ እቲ ትካል ኣገዲዱ ከስርሕ ስለዘይኽእል፡ ንዝምልከቶ ሓይሊ ዕማም መንግስቲ (ኮማንድ ፖስት) ኣፍሊጡ ብሰናይ ፍቓደን ከምዝተሰናበታ ብምግላፅ ከምዘፋነወን ሓለፍቲ እቲ ትካል ይገልፁ።
እቲ ትካል ንዘሰናበተን መረጋገፂ ወረቐት ስንብትን ልምዲ ስራሕን እተን ብድልየተን ስራሕ ገዲፍና ክንከይድ ኢና ዝበላ እውን ብተመሳሳሊ ፈሪመን ከምዝኸዳ ካብቲ ትካል ዝተረኸበ መረዳእታ ይገልፅ።
ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት እውን ሓይሊ ዕማም ትግራይ (ኮማንድ ፖስት) ብፍሉይ ምኽንያት እሞ ድማ ፍቓድ ወረቐት ኣካላት ፀጥታ ዘለዎም ምንቅስቓስ ከምዝኽእሉ ምስገለፀ፡ ተወሰኽቲ ክልተ ሚእቲ ደቀንስትዮ ስራሕ ይትረፈና ንህይወትና ንሰግእ ኢና ኢለን ወፅኤን ከይደን። ብመሰረት እዚ ዛጊድ 501 ደቀንስትዮ ስራሕ ገዲፈን ከምዝኸዳ እቲ ትካል ይገልፅ።
ቢቢሲ ካብተን ኣዲመን ናብ ገዛና ስደዱና ኢለን ዝነበራን ግን ድማ ተጣዒሰን ኣብ መደቀሲ ክፍሊታተን ዝሓደራን ናብ ስራሕ ዝተመለሳን ንክልተ ደቀንስትዮ ሓቲቱ ኣሎ?
ቅድሳን ተስፋይ ኣብቲ ፋብሪካ ተቘፂራ ብምስራሓ ሕጉስቲ ምዃና ትገልፅ። ይኹን እምበር ግን ብዝተላኸዐ ዘረባ ተደናጊርና ትብል።
"እቲ ሕማም ናብቲ ፋብሪካ እንተኣትዩስ ብኸመይ ክንድሕን ንኽእል ዝብል ስግኣት ሓዲሩና፤ ኣነ ንባዕለይ ካብተን ናብ ገዛና ክንከይድ ኣለና ዝበላ ቀዳመይቲ ኣዳሚት እየ። ይኹን እምበር እቲ ትካል ፅቡቕ ኣሰራርሓ ይኽተል ምህላዉ ተረዲኤ ኣለኹ። ምስ ኣደምና ዘየዋፅአኒ ምዃኑ ፈሊጠ ተመሊሰ ኣብ 'ዶርም' እየ ሓዲረ። መሓዙተይ ግን ክንከይድ ኣለና፤ ንኣካላት መንግስቲ ኣረክቡና ነናብ ገዛውትና ኣብፅሑና ኢለን እየን ወፅኤን። እምበኣር ክንከይድ ካብ በልክን ክትፍተሻ ኣለክን ኢሎም ኣእትዮምና። ምግብን ማይን ኣይሃቡናን ከምዝበላ ሰሚዔ። ካብ ስራሕ ወፂእና ማይ ክነቕብለን እንተበልና ፖሊስ ካብ ኢድና መንጢሎም ደርብዮሞ። ብሽኩትን ሕምባሻን ገዚእና ምሳሕ ክነቕብለን እንተበልና እውን ፖሊስ ከሊኦምና። እቶም ደቂ ሲሪላንካ ግና ዳሓር ብሽኩቲ ሂቦምዎን" ብምባል ዝረኣየቶ ትዛረብ
ክብራ ገረንችል ብወገና "ኣብ ምግቢ ተራ ስለዘይንሕዝ ስለንዳፋእ እቲ ሕማም እንተመፂኡ ክንጉእዳ ኢና ኢልና ስለዝሓሰብና ንገዛውትና ክንከይድ ኣለና ኢልና ወሲንና ነይርና። ናብ ስራሕ ክንምለስ ብዝብል ተዳፊእና ስለንምገብ ነቲ ሕማም ክንከላኸሎ ኣይንኽእልን ኢልና ሓሲብና።
ንዓድና ክንከይድ እሞ ዳሕራይ እዋን ክንምለስ ኢና ዝብል እዩ እቲ ሕቶ። ንሳቶም ከኣ ዕረፍቲ ኣይንፈቅድን፤ እቲ ትካል ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም። ክልተ መዓልቲ ስራሕ ኣብኵረን፤ ብድሕሪኡ ነናብ ዓደን ሰዲዶምወን።
ብድሕሪአን እውን ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ንዓና እውን ከምተን መሓዙትና ኣብፅሑና ኢለን ዝኸዳ እውን ኣለዋ። ንሕና እውን ሓሲብና ነይርና ኢና፤ ግን ገዛና ርኢና ስራሕ እዩ ኣምፂኡና ኢልና ክንሰርሕ ተሪፍና ኣለና" ትብል።
"እቲ ትካል ሜላታት መከላኸሊ ስለዘምሀረና፣ ማይን ሳሙናን ስለዘሎ፣ ኣልኮል እውን ስለዝተወሃበና፣ ማስክ እውን ካብ ብቐደሙ ኣይንጥቀመሉን እምበር ስለዝሃቡና፣ ኣብ እዋን ድርራ እውን ተፀቓቒጥና ከይንኣቱ፡ መፈናተቲ ምልክት ስለዝገበሩልና ብናይ ባዕል ና ድኽመት እንተዘይኰይኑ ተፈናቲትና እንተተጠቒምና ነዚ ምስ ራኣኹ ስራሕ መሪፀ" ብምባል ሓሳባ ሂባ ቅድሳን።
እዋን ምሳሕ ኣኺሉ ምስ ኣርብዓተ መሓዙታ ናብ ዝምሳሓሉ ቦታ ክብገሳ ዝረኸብክዋ ገሪማ ገብረጻድቕ፡ ኣብቲ ትካል ክእረም ኣለዎ ዝበለቶ ነገራት ተቕርብ።
"ኣብቲ ፋብሪካ ማይን ሳሙና ኣሎ፤ ኣብ መደቀሲ ክፍልና ግና ማይ እምበር ሳሙና የለን። ባዕልና ገዚእና ከምንሕፀብ ንፈልጥ ኢና፤ ግና እቲ ሕማም ንምክልኻል ክንገዝአልክን ኢና ኢሎሙና እዮም" ብምባል ሳሙና ንኽግዝአለን ትሓትት።
ኣብርሀት ገብረ ኪሮስ ምስ መሓዛኣ ተቐራሪበን ስረ ጅንስ ይዓፅፋ ነበራ። ብዛዕባ እቲ ኮሮናቫይረስ ዘለወን ግንዛበ ተሓቲተን።
"ነቲ ሕማም ንምክልኻል ክንራሓሓቕ ከምዘለና፣ ኢድና ክንሕፀብ ከምዘለና፣ማስክ ክንገብር ከምዘለና ይንገረና እዩ" ኢላ ኣብርሀት።
ኣብ እዋን ምምጋብ ሓደ ዘፀግመለንን ከይፈናተታ ዝኸብደን ዕንቅፋት ኢለን ዘቕርበኦን ርኢይቶ'ሎ።
ብርኽቲ ገብረስላሴ "ናብ መመገቢ ቦታ በብ ብሎክ ተሰለፋ ይብሉና። ብሎክና ክንእልሽ ንጸቓቐጥ። ክኸውን ዘለዎ ግን፡ ሰብ በብዝመጽኦ ግን ድማ ተርኡ ሒዙ ተፈናቲቱ ይእቶ። ናብ ስራሕ ቀልጢፈን ክምለሳ ስለዝግበአንን ተዘይተመሊሰን ስለንቕፃዕ ተራና ገዲፍና ተኣኪብና ክንኣቱ ንግደድ።
ማስክ በብእዋኑ ክቕየረልና ይግባእ። ዋላ ብኣልኮል ተሓፂብና ንእቶ፡ ኣብ ስራሕ ቦታና ኣብ ሕድ ሕድ መስመር ኣልኮል ክቕርቡልና ይግባእ። ኣብ መደቀሲ ክፍልታትና እውን ኣልኮል ንደሊ ኢና" ብምባል ምምሕዳር እቲ ትካል ከማልኦ ኣለዎ ዝበለቶ ትዝርዝር።
ገሪማ ገብረጻዲቕ ምስ መሓዙታ ዘሻቕለና ዝብለኦ ካልእ ድማ ነጊራትኒ። "ቅድሚ ሎሚ ናብ ደገ ምውፃእ ተኸልኪሉ ነይሩ። ናብ ቤተክርስትያን፣ ዕዳጋን ከተማን ምኻድ ኣይከኣልን ነይሩ። ሕዚ ግን ፈቒዶም ኣለዉ። ግን ኣብ ከተማ ውዒለን ዝኣትዋ ረስኒ ክዕቀናን ብኣልኮል ክሕፀባን ኣለወን። ጥንቃቐ ክገብር ዘይኽእል ሰብ ስለዘሎ፡ ካብ ውሽጢ ንደገ ወፂኡ ተመሊሱ ንዝኣቱ ኣልኮል የድሊ" ብምባል ምምሕዳር እቲ ትካል ብቕልጡፍ ከተግብሮ ብዛዕባ ዝግባእ ዝበለቶ ትዛረብ።
ሓላፊ ምምሕዳር ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዓለባ ቬሎሲቲ፡ ኣይተ ገብረህይወት ገብረ፡ እተን ሰራሕተኛታት ዝቐረበ ሃናፂ ርእይቶ ብኸመይ ተቐቢሎም ተግባራዊ ከምዝገብርዎ ይዛረቡ።
"ሰራሕተኛታት ኣብ መደቀሲአን ዝተማለአ ቀረብ ማይ ኣለወን፤ ግና ሳሙናን ኣልኮልን ሓቲተናና ኣለዋ። ወላ እኳ ኣብቲ ናይ ስራሕ ውዕል ሳሙና ባዕለን ክገዝኣ ስምምዕ እንተሃለወ፡ ሕዚ ግና ሳሙናን ኣልኮልን ክንቅርብ ወሲንና ኣለና" ኢሎም።
'ማስክ' ብዝምልከት እቲ ፋብሪካ ባዕሉ ስለዝሰፊ ንምውሳኽ ፀገም ኣይኸውንን ዝብል ርእይቶ ኣለዎም። ንሓድ ሕድ ሰራሕተኛ ሰለስተ 'ማስክ' ከምዝተዓደለን ሕዚ ድማ ከምዝውሰኽን ምምሕርዳር ከምዝወሰነ ተዛሪቦም።
"ናብ ደገ ወፂኤን ንዝምለሳ ረስኒ ክዕቀናን ኣልኮል ክሕፀባን ይግባእ ዝብል ርኢቶ ቅቡል እዩ። ንደገ ምውፃእ ከልኪልና ነይርና ኢና፤ ካብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣትሒዙ ግና ናብ ቤተ ክርስትያንን ናብ ውልቃዊ ጉዳያትናን ክንወፅእ ክፍቀደልና ኣለዎ ስለዝበላ ፈቒድና ኣለና። ኣብ ደገ ዝሓደረ ሰራሕተኛ ግን ተመሊሱ ኣይኣቱን። እንተ እቲ ዝተባሃለ ርእይቶ ተቐቢልና ተግባራዊ ክንገብር ኢና" ብምባል መልሲ ሂቦም።
ካብ ሕዚ ንደሓር ነቶም ሜላታት ምክልኻል ግብራዊ ንዘይገብር ሰራሕተኛ ድማ መቕፃዕቲ ክጅመር ይዝተየሉ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።
ካብዚ ወፃኢ ወሰኽ መሃያ ብዝምልከት፡ እቲ ሕማም ፈጢርዎ ንዘሎ ዓለም ለኻዊ ፀገም መበገሲ ብምግባር "ፋብሪካ ዓፂና ሰራሕተኛ ኣይነሰናብትን፤ መሃያ ድማ ኣይንውስኽን።
ንግዚኡ ሰራሕተኛ እውን ኣይንቘፅርን - እዚ ተወሲኑ እዩ።
በዓል ዋና እቲ ትካል፡ ወላ እውን ተለቂሕና፡ ኩሉ ወፃኢታት እቲ ፋብሪካን ሰራሕተኛታቱን ክኢልና ነቲ ፋብሪካ ክነቕፅሎ ኢና ዝብል እምነት ኣለዎም። ካብዚ ወፃኢ መሃያ ናይ ምውሳኽ ኰነ ምንካይ መደብ የብልናን። ባዕሉ ስራሕ ክገድፍ እየ ዝብል ሰራሕተኛ ግን ይኽእል እዩ" ዝብል ደምዳሚ ሓሳብ ሂቦም።
ፋብሪካ ዓለባ ቬሎሲቲ ሲድሃርት ሲንሃ ዝተብሃሉ ህንዳዊ በዓል ሃብቲ ዝውንንዎ ኣብ መቐለ ዝተተኸለ ፋብሪካ እዩ። ብ55 ሚልዮን ዶላር ኣብ 2016 ዓ.ም ተሃኒፁ። እቲ ትካል 175 ሄክታር መሬት ዝሓዘ እንትዀን፡ እቲ ሕዚ ስራሕ ጀሚሩ ዘሎ ፋብሪካ ጥራይ ኣብ 60 ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ መሬት ዓሊቡ'ሎ።
ቬሎሲቲ ካናቴራን ጅንስ ዝዓይነቱ ስረን ዝሰርሕ ፋብሪካ ኰይኑ ምህርቱ ምሉእ ንምሉእ ናብ ደገ እዩ ዝልእኽ። ኣብ መቐለ ዝተሃነፀሉ ቀንዲ ዕላማ ብቐፃሊ ምስ ኤርትራ ብዘለዎ ቅርበት ምስ ምዃኑ ንዝህሉ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝተሓረየ ይግለፅ።
ቬሎሲቲ ን2000 ሰራሕተኛታት ቈፂሩ የስርሕ'ሎ። ካብቶም ሰራሕተኛታት እተን 95 ኢድ ሚኢታዊት ደቀንስትዮ ምዃነን ሓላፊ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ቬሎሲቲ፡ ኣይተ ገብረህይወት ገብረ ንቢቢሲ ገሊፆም።