ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 12 ክብ ኢሉ

Published

ኣብ ኤርትራ፡ ሽድሽተ ተወሰኽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝተረኽቡ ሚነስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሞ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።

በዚ መሰረት ምስቶም ኣቀዲሞም ተለኺፎም ምስ ዝነበሩ 6 ሰባት፡ ኣብ ኤርትራ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ናብ 12 ክብ ኢሉ'ሎ።

እዞም ሽዱሽተ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኤርትራ ዓለምለኻዊ በረራታት ቅድሚ ምእጋዳ ከምዝኣተውን፡ መርመራ ምስተገብረሎም ድማ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ከምዝጸንሑን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ካብቶም ዝተለኽፉ፡ እተን ሓምሽተ ደቂ-ኣንስትዮ ክኾና እንከዋ፡ ዕድሚኦም ካብ 32-60 ይዝርጋሕ።

እቲ መግለጺ ከምዝሓበሮ፡ ካብቶም ዝተለኽፉ እቶም 4 ተወሺሞም ዝጸንሑ ኮይኖም፡ እቶም 2 ግን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ኣተው ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ስለዘይኣርኣዩ ንደገ ወጺኦም ከምዝነበሩ ይገልጽ።

እቶም ዝተለኽፉ ሰባት ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።