ሓቀኛ ኣገላልጻ ኣደነት ብሞያ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Jenny Lewis
ከም ሓደ መጽናዕቲ ዘድልዮ ዓውዲ፡ ኣደነት ኣብ መድረኻት ስነ-ጥበብ ግቡእ ቦትኡ ንምርካብ ክቃለስ ነይርዎ ትብል ብሪጣኒያዊት ሰኣሊት ጀኒ ልዊስ።
"ሰባት ከም ሓደ ቅኑዕ ኣርእስቲ ናይ ስነ-ጥበብ ገይሮም ኣይርእይዎን ነይሮም። ወትሩ ፍኹስ ዝበለ ነገር ኮይኑ'ዩ ዝርአ ነይሩ" ድማ ትብል ልዊስ።
ነዚ ተርእዮ'ዚ ንምቕያር፡ ልዊስ ኣብ ናይ 2010-2015 ዋን ደይ ያንግ [One Day Young] ዘርእስቱ ፕሮጀክታ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ከተማ ለንደን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 150 ኣዴታት ድሕሪ ምውላደን ስኢላተን።
ቀባእቲ እዋን ዳግመ-ሕዳሰ [Renaissance painters] ብዛዕባ ምውላድ ህጻን ክርስቶስ ብዙሕ መልእኽትታት ይለዋወጡ ነይሮም፤ ተመክሮ ናይ ማዶና ዓይነት ግን ኣይተራእየን።
እዚ ኣብ 2015 ኣብ መጽሓፍ ዝሰፈረ ትሕልንትናዊ "ነቶም ኣርካናት ንምስባር" ኣለዓዒሉ ነቲ ኣቓልቦ ናብ'ታ ኣደ ንምስሓብ ዘለዓዓለ'ዩ ነይሩ ኢላ ልዊስ።
መብዛሕትኡ ስራሓታ ኣብ'ቶም ውሩያት ሰባት ጥራይ ዘተኩር ዝነበረ ልዊስ፡ "ሓደ ብሓቂ ዝተገንዘብክዎ ነገር እንተነይሩ ግን ተራ ሰባት ክሳብ ክንደይ ሸለል ከም ዝተባህሉ'ዩ። ብተወሳኺ ድማ እተን ኣንስቲ ብተደጋግጋሚ ዘዘንተዋለይ ክትኣምኖም ዘሸግሩ ዛንታታት'ዮም" ኢላ።
ኣብ ጥቓአን ካሜራታት ዘይብለን ኣብ ዓራተን ተኾይጠን ከተዘራርበን እንከላ፡ እተን ቦካራት ኣዴታት ሕሉፍ ዝኾነ ግልጽነት ነይሩወን ትብል።
"ህጻን ምስ ወለዳ ክሰኣላ እንከለዋ ከይብሉኒ ዝበሃል ነገር የብለንን፡ ምኽንያቱ ብስምዒት ስለዝወሓጣ እቲ ሓቀኛ ውነኣን ኣይፈልጣን"።
ኣብ 2016 ዎተር ኤይድ [WaterAid] ልዊስ ነቲ ፕሮጀክት ኣብ'ታ ሓራሳት ካብ'ቲ ዝሓረሳሉ ቦታ ንሽዱሽተ ሰዓታት ብእግረን ክጓዓዛ ዝግደዳላ ማላዊ ክትደግሞ ዓዲምዋ።
ዋላ'ኳ እተን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዘዘራረበተን ሓራሳት ብዕድመ፣ ዓሌትን ድሕረ-ባይታን ፍልልይ እንተነበረን፡ እቲ ኣድማሳዊነት ተመክሮ ኣደነት ግን ኣብ'ተን ፈለማ 24 ሰዓታት ርኡይ ነይሩ።
"ኩለን'ዘን ኣንስቲ'ዚኣተን ክሳብ'ታ ዝሓረሳላ መዓልቲ ኣዝዩ ዝተፈላለየ መነባብሮ'ዩ ነይርወን፡ ሓራሳት ምስ ኮና ግን ኩለን ሓደ ዓይነት`የን ነይረን'' ኢላ ልዊስ።
እቲ ፕሮጀክት ብናይ ልዊስ ባዕላዊ ኣዝዩ እወታዊ ተመክሮ ኣደነት'ዩ ተተባቢዑ'ዩ ተበጊሱ። እቲ ተመክሮኣ ምስ'ቲ ፍርሕን ኣሉታዊ ኣበሃህላ ሕብረተሰብን ዝጻረር ኮይኑ ከምዝረከበቶ ድማ ትገልጽ።
"ደንጽዩኒ'ዩ ብድሕሪኡ፡ ስለምንታይ እቲ ዘርኢ ናይ ርእሰ-ተኣማንነት ብመራኸቢ ብዙሃን፣ ብሰባት ብመንገዲ ዕላላትን ኣይተዋህበኒ ድማ ኣሕሪቑኒ። ዘበርትዑኻ ሓገዝቲ ዝኾኑ ስእልታት ናይ ኣደነት'ውን ኣይነበሩን" ድማ ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Sophie Ebrard
እወታዊ ሸነኽ ናይ ኣደነት
ሽዱሽተ ሽሕ ማይልስ ርሒቓ እትርከብ ታይዋናዊት ሰኣሊት ኣኒ ህሲያኦ-ቺንግ ድማ እቲ ዝግበኦ ኣፍልጦ ክወሃቦ ኣለዎ ዝበለቶ ርእሰ-ነገር [ቶፒክ] ኣደነት ኣድህቦ ክረክብ ጽዒታ።
ኣብ 2000 ነቲ ጸኒሑ ተላባዒ ዝኾነ እታ ኣደ ከም ፈጣሪ [The Mother as Creator] ዘርእስታ ተኸታታሊት ዛንታኣ ክትቅምር ምስ ጀመረት ድማ፡ ኣብ'ቲ ናይ ፒ ኤች ዲ [PhD] ትምህርታ ኣማኻሪኣ "ዋላ ሓደ ብዛዕባ ውልቃዊ ዛንታ ናይ ሓንቲ ኤሽያዊት ኣደ ዝግደስ ሰብ የለን" ብተወሳኺ ኸኣ ''ከም'ዚ ዝበለ ንእሽቶ ጉዳይ ንትምህርታዊ መጽናዕቲ ብቑዕ ኣይኮነን" ከምዝበላ ትገልጽ።
በዚ ከይተዓግተት ግን ዋንግ ዩኒቨርሲቲ ብምቕያር ንተበግሶኣ ቀጺላቶ።
ነብሰ-ጾር እንከላ ዝተስኣለቶ ስሚዒት ዘይትንኪ ሓቀኛ ብናይ ባዕላ ስእሊ ድማ'ያ ጀሚራቶ። ኣብ'ቲ ዝቕጽል ዓመት ድማ፡ ንህጻን ወዳ ቶንግ ሒዛ ባዕላ ዝሰኣለቶ ስእሊ ኣብ ቅድሚ'ቲ ነብሰ-ጾር እንከላ ዝተሳእለቶ ስእሊ ኣንቢራቶ።
ኣብቲ ዝቀጸሉ 19 ዓመታት ድማ ነቲ መስርሕ ቀጺላቶ። እቶም ቀዳሞት ስእልታት ድማ ብሓደስቲ ይትክኡ። እቶም ስእልታት ልክዕ ከም ተዘክሮታትና'ዮም ትብል ዋንግ።
"ሓደ ሓደ እዋን፡ ነዊሕ ዝገበረ እዋን ጽልግልግ ዝበለ ይኸውን፡ ዳርጋ ይጠፍእ'ውን። ኣብ ዓሚቕ ሓሳብና ግን ኣሎ፡ መን ምዃንና ዳርጋ ክጸልወና'ውን ይፍለጠና" ትብል ዋንግ።
ልክዕ ከምቲ ኣካላዊ ለውጢ፡ ስእልታት ዋንግ ውሽጣዊ ቅልሳት`ውን ይስንዱ`ዮም። ኣብ'ታ ኣይ ሳይን፣ እነብር [I sign; I exist] ዘርእስታ መጽሓፋ፡ ዋንግ ወናኒት ኣካላ ምዃና ንምርግጋጽ ዝዘፍጠጠ ከብዳ ስኢላ ክታማ ኣንቢራ ዘርጊሓቶ።

ምንጪ ስእሊ, Ana Casas Broda
"ኣደ ከም ሓደ መትሓዚ ጽዕነት [ኮንተይነር] ኣትርኣየሉ እዋን ኣብቂዑ'ዩ" ድማ ኢላ።
"ኣብ'ቶም ኩሎም ዝሓለፉ ዓመታት፡ ነብሰይ ናይ ባዕለይ ነብሲ'ዩ ነይሩ፡ ክቆጻጸሮ ብዘይክእል መንገዲ ክቕየር ምርኣይ ድማ ረባሺ ነይሩ" ኢላ ፈረንሳዊት ሰኣሊት ሰነዳዊ/ዶኩመንታሪ ስእልታት ሶፊ ኤብራርድ ኣብ`ቲ ኣብ 2019 ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ዝቀረበ ኣደ ክኸውን ኣይደለኹን ነይረ [I didin't want to be a mum] ተባሂሉ ዝተሰየመ ምርኢት መዝገብ ድምጻዊ መናስሒ።
እቲ ቀዳማይ ካብ ክልተ ጥንስታት ናይ ኤብራርድ ካብ ውጥን ወጻኢ'ዩ ኣጋጢሙ፡ እቲ መስርሕ ኣደነት ድማ ፈታኒ እዋን ምስግጋር ኮይኑዋ ነይሩ። "ንወደይ እፈትዎ`የ፡ ኣደ ምዃን ግን ኣይፈተኽዎን" ኢላ ንሳ።
ዝምባለ ናይ ፎቶግራፊያ ካብ ፍቕራውነት ናይ ዕሸልነት ንምርሓቕ፡ እታ ሓያል ዓፋኒ ጭባጦ ናይ'ቲ ህጻን ኣብ ልዕሊ ኣዲኡ ሓይሊ ዜሕድስ ግን ከኣ ቀሊል ዘይኮነ ትርኢት ይህብ።
ዝያዳ ድማ እቲ ብደም ዝጨቀየ መዳሕንቲ ኣብ ኣእጋራ ተጠናኒጉ ምርኣይ፣ ጸባ ዝነዝዑ ጫፍ ኣጥባታ ግን እቶም ብዙሕ ዘይተሰነዱ ሓቀኛታት ግዕዘይ ሸነኽ ኣደነት'ዮም።
"ብዛዕባ`ቶም ሓቅታት ናይ`ቲ ተመክሮ ንሰባት ክምህር`የ ዝደሊ" ከምኡ ድማ "ንኻልኦት ሰባት ገበነኝነት ይኹን ሕፍረት ከይተሰምዐን ብቕሉዕ ወጺአን ስምዒታተን ዝገልጻሉ መድረኽ ክፈጥር እደሊ" ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Ana Casas Broda
ሰኣልነት/ፎቶግራፊያ ብመልክዕ ጸወታ/ምዝንጋዕ
ኣብ`ቲ ኪንደርዉንሽ [Kinderwunsch (2003)] ዝተባህለ ናይ ስእልታት መጽሓፋ፡ ሜክሲካዊት ሰኣሊትታና ቻሳስ ብሮዳ ብዛዕባ ውልቃዊ ሕክምና ፍርያምነት፣ ጥንስን ኣደነትን ጉዕዞኣ ተውግዕ። ልክዕ ከም ኤብራርድ ድማ ዝያዳ መለሳ ዘለዎ ውክልና ኣደነት ክህሉ ትደሊ።
"ሕቶታት ንምልዕዓልን፡ ነቶም ኣብ ተመክሮ ኣደነት ዘለዉ ተጋራጫዊነታት ንምኽፋትን፡ እቲ ፕሮጀክት ልክዕ ከምቲ ተመክሮ ናይ ኣደነት ዝተሓላለኸ ክኸውን`የ ደልየዮ"።
መብዛሕትኦም ሓሳባት ናይ ኣሰኣእላ እቲ ዓቢ ወዳ ማርቲን`ዩ ኣበጊስዎም።
"እቶም ስእልታት ወትሩ ዘገርሙ`ዮም ነይሮም።.ነቶም መብራህትታት ኤዳልዎም፡ ነቶም ትዕይንተ ፍጻመታት [ሲናርዮታት] ነዳልዎም እቲ ጸወታ ድማ ይጅመር፡ ሓንቲ ምስሊ ድሕር`ታ ሓንቲ እናሰዓበት ድማ ይቕጽል። ብቐጻሊ ድማ ኣብ ኣእምሮይ ይውሕዙ፡ ምስ ሓደስቲ ናይ ወደይ ሓሳባት ድማ ይሳነዩ"።
ምዕቃብ`ዞም ምስ ደቃ ዝነበረዋ ጥብቕ ዝበሉ/ልባውያን ህሞታት ንቻሳስ ብሮዳ ንሳ ንባዕላ ብወላዲታ ከመይ ዝበለ ክንክን ይግበረላ ከምዝነበረ ተመሊሳ ክትዝክር ገይርዋ።
"ኣብ ገለ ካብ`ዞም ስእልታት`ዚኣቶም ብምጥማት ዘሳቕይ ስምዒት'ውን የለዓዕለልካ፡ ኣብ ቁልዕነተይ ዝነበሩኒ ኣሸገርቲ ስምዒታት ንኽግንዘብ ድማ ገይሮሙኒ" ኢላ ንሳ።
ኣብ`ቲ ኢመዴይት ፋሚሊ [Immediate Family] (1992) ዘርእስቱ ኣካታዒ ናይ ስእልታት መጽሓፍ፡ ብዓይኒ ኣደ ዝተራእዩ ቃንዛን ዘይፍጹምነትን ቁልዕነት እቲ ቀንዲ ቴማ ናይ ስራሓት ናይ`ታ ንካሜርኣ ኣብ`ቶም ሰለስተ ንኣሽቱ ደቃ ዘቕንዐት ኣሜሪካዊት ሰኣሊት ሳሊ ማን`ዩ ነይሩ።
ምስልታት ናይ ዝደሚ ኣፍንጫ ኤመት፣ ብሽንቲ ዝጠልቀየ ዓራት ናይ ቪርጂኒያን ብመንከስቲ ሓሸራታት [ኢንሰክትስ] ዝሓበጠ ገጽ ናይ ጀሰን ዘይተጋነነ ገምጋም ምዕባይ ቆልዑ ኣብ ገጠራዊት ቪርጂኒያ ከርእየካ እንከሎ፡ ስነ-ምግባራውነት ዝጎደሎምን ወሲባዊ ስሚዒታት ዘለዓዕሉ ኣቃውማታት፣ ጥራይ ነብስካ ምውጻእን ሽጋራ ምትካኽን ድማ ኣብ መንጎ ዓለም ናይ እኹል/ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐን ቆልዓን ረባሺ ጽልግልግታ ይፈጥር።
ምግጫው ናይ`ዞም ክልተ ዓንኬላት ኣብ`ቲ ሜሪ ኤለን ማርክ፡ ስትሪትዋይዝ ሪቪሲትድ (2015) [Streetwise Revisited] ዘርእስቱ ምስ ሞተተ ዝተሓትመ መጽሓፍ`ውን ዘሕዝን`ዩ። እቲ መጽሓፍ ምስግጋር ኤሪን `ታይኒ` ብሮክዌል ካብ ጓል 13 ዓመት ኣመንዝራ ናብ ኣደ ዓሰርተ ቆልዑ የዘንቱ።
እታ ናይ ባዕላ ቆልዑ ዘይነበርዋ ኣብ 1940 ተወሊዳ ኣብ 2015 ዝዓረፈት ማርክ ነታ ሽግረኛ ታይኒ ምስ`ኣ ከተንብራ ካብ ሲያትል ናብ ኒው ዮርክ ብምምጻእ ኣደነታዊ ዝምድና መስሪታ ን30 ዓመታት ስኢላታ።
ንእስራኤላዊት-ኣሜሪካዊት ስነ-ጥበበኛ ኤሊኖር ካሩቺ ግን እቲ ንጥፈት ብግልባጡ`ዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ንሞያኣ ትሕቲ 20 ዓመት እንከላ`ያ ነታ "ኣህላኺትን ጥብቅን" ፈቃርን መልክዐኛን" ኢላ እትገልጻ ኣዲኣ ብምስኣል`ያ ጀሚራቶ።
"ክስእላ ምስ ጀመርኩ፡ ብዙሓት ነገራት ኣጋጢሞም። ኩሎም`ቶም ኣሸገርቲ ዝነበሩ ባህርያት/ብቕዓታት ንስራሕ ዘገልግሉ ንዋታት ኮይኖም" ኢላ ኤሊኖር። "ኣዝዮም ብዙሓት ነገራታ ንኽርእይ ገይሩኒ፡ ንዝምድናና ድማ ኣዑሚቕዎ" ድማ ኢላ።
ከም መቐጸልታ ናይ 10 ዓመታት ስራሓን ንኣደነት ዝያዳ ሓቀኛ ዝኾነ ኣገላልጻ ንምግላጽን ድማ ኣብ 2013 ኣደ ማናቱ ምስ ኮነት ኣደ [Mother] ዘርእስታ መጽሓፍ ጽሒፋ።
ሕጂ`ኸ ኣገላልጻ ኣደነት ብሕብረተሰብ ሓቀኛ`ዩ ክንብል ንኽእል`ዶ? "ናብ`ኡ ገጹ ይቃረብ ኣሎ" ኢላ መሊሳ ኢሊኖር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
