ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ፓሪስ ዝጸንሑ ኣሽሓት ስደተኛታት ግዒዞም

ምንጪ ስእሊ, AFP/GERARD JULIEN
ፓሊስ ከተማ ፓሪስ; ነቶም ኣብ ዙርያ'ታ ከተማ ባዕሎም መጽለሊ ብምስራሕ ተዓቚቦምለን ንዝጸንሑ መዓስከራት ብምእታው ነቶም ስደተኛታት ናብ ግዝያዊ መጽንሒ የግዕዝዎም ከም ዘለዉ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።
ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ኣስታት 550 ዝበዝሑ ኣፍጋኒስታውያን ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ከተማ ዝርከብ ካናል ሴንት ማርቲን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ዝነበረ ማዓስከር ከም ዘግዓዝዎም ኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሩ።
ኣስታት 450 ዝኾኑ'ውን ካብቲ ብፓርተ ደላ ቻፕል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ኸተማ ዝርከብ ማዓስከር ከም ዝተወሰዱ ሰብመዚ ምምሕዳር ፓሪስን ፓሊስን ዝጠቐሰ ጸብጻብ ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ካብቲ ብካናል ሴንት ደኒስ ዝጽዋዕ ቦታ ተደኲኑ ዝነበረ መዕቆቢ፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝኾኑ ኣስታት 1000 ስደተኛታት ኣግዒዞም ነይሮም'ዮም።
ምኽንያት ናይቲ ናይ ምግዓዝ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ናይቶም ስደተኛታትን ጸጥታዊ ስግኣት ከም ዝኾነ እቶም ጸብጻባት ይገልጹ።
እቶም ስደተኛታት ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ብወግዓዊ ኣገባብ ከቕርቡ ከም ዝፍቀደሎም፡ ሰብመዚ ይዛረቡ ኣለዉ። እንተኾነ ግን ተጣበቕቲ መሰላት ስደተኛታት ከም ዝብልዎ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ዝወስዶ ዘሎ ትርር ዝበለ ናይ ኢሚግሬሽን ፓሊሲ ንኹሎም ሓተትቲ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክህቦም ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ'ዮም ዝዛረቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፈረንሳ ኣስታት 100 000 ሓተትቲ ዑቕባ እካ እንንተቐበለት ን30 000 ካብኦም ጥራይ እያ ተቐቢላ::ን።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
