ዶናልድ ትራምፕ ናብ ቕድሚት እናጠመተ፤ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ነበር ኣያቶላህ ኻሜኒ ድማ ንጸጋም ይጥምት። ብድሕሪኦም ህንጻታት ኢንዱስትሪ፡ ሚሳይልን እትበርር ነፋሪትን ይርአ።

ደብዳብ ኢራን ብኸመይ'ዩ ኣብ መላእ ዓለም ማዕበል ስንባደ ፈጢሩ?

ካብ ዝጅምር ክልተ ሰሙን ዘሕለፈ "ወፍሪ ቁጥዐ" ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋ የሕድር ኣሎ።

ባሊስቲክ ሚሳይላት ኢራን፡ ሓይሊ ባሕርን ኣጽዋር ኒዩክሌርን ናይ ምምዕባል ድልየታ ንምምኻን ዝተጀመረ ወፍሪ፡ ዞባዊ ዘይምርግጋእን ዓለማዊ ጽልዋ ቁጠባን ይፈጥር ኣሎ።

ዋላ’ኳ ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ኣየር እንተተፈጸመ፡ ስርዓት ኢራን ግን ገና ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎን፡ ብሓድሽን ሓደገኛን መንገዲ ከጥቅዕን ይርኣይ።

ማእከላይ ምብራቕ በቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ “ናይ ሓጺር ግዜ ስርሒት” ክብል ዝገለጾ ወፍሪ ብቐጻሊ ይናወጽ ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ “መንግስትኹም ተቘጻጸሩ” ኢሉ ዝተማሕጸኖም ህዝቢ ኢራን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት ይርከቡ።

ኢራን ኣብቲ ዘይርጉእ ዞባ ጸኒዓ ክትጸንሕ ክኢላ ኣላ።

ኢራን ፍልይ ዝበለ ብድሆታት እያ እተቕርብ። እታ ሃገር ካብ ጐረባብቲ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ተደሚረን ኣዝያ ዝዓበየት እያ። ክልቲኣን ሃገራት ብምትእትታው ኣመሪካ ንዓመታት ዕግርግር ዝመልአን ሃገራት እየን ነይረን።

ከም ገለ ክፋል ናይቲ ኒዩክለራዊ መደባታን ወተሃደራዊ ንብረታን ኣብ መላእ ሃገር ተበታቲኑ እዩ ዝርከብ። ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ዓሚቑ ኣኽራናት ተቐቢሩ ይርከብ።

እቶም ብወግዒ ዝፍለጡ ነቑጣታት ኒዩለሌር ኣርባዕተ ኣልማዛዊ ምልከት ኣለዎም። ክሳብ 12 መጋቢት ዝተገብረ ውግእ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ እቶም ብቐይሕ ምልክት ዝርኣዩ'ዮም። እዚ ቀይሕ ምልክት ንቴህራን ይገልጽ። እቲ ቀይሕ ናይ መጥቃዕቲ ምልክት ኣብ መላእ ሃገር ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታትን ደቡባዊ ዶባትን ብጻዕቒ ይርአ።

90 ሚልዮን ህዝቢ ኢራን፡ ዝተፈላለየ እኳ እንተዀነ እቲ ፍርቂ ፐርሽያን እዩ። ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ኣዘርባጃን፡ ኩርድን ዓረብን ኣለዋ።

ካብ 1979 ጀሚሩ ስልጣን ዝተቈጻጸረ እስላማዊ መንግስቲ ብስነ-ሓሳብን ብግቡእን ዝተወደበ'ዩ።

ካብ ሚያዝያ 2024 ንድሓር፡ ኣርባዕተ ጊዜ ብእስራኤል፡ ሓደ ግዜ ድማ ብኣመሪካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተላዕለ ተቓውሞ ሓዊሱ እቲ ስርዓት ነዚ ኹሉ ኣሕሊፉ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ክኢሉ'ዩ።

ኣብቲ ዞባ ጐንጺ ብፍጥነት ይሰፍሕ ኣሎ።

ኣብቲ ዞባ ብዝርአ ካርታ፡ ኢራን ኣብ ማእኸል፡ እስራኤል ድማ ብሸነኽ ሰሜን ብቐይሕ ምልክት ይርኣያ። ካልኦት ሃገራት ድማ ብሓሙኽሽታይ ሕብሪ ሽመን ከይተጠቕሰ ይርኣያ። እቲ ካርታ፡ እስራኤል ብሸነኽ ሜድትራንያን፡ ኢራን ድማ ካብ ወሽመጥ ፐርሽያን ክሳብ ማእከላይ ኤስያ ዘለወን ኣቀማምጣ የርኢ።

እቲ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ምክልኻል፡ ሚሳይላትን ድሮናትን መጥቃዕቲ ብምፍጻም እዩ ተጀሚሩ። ኣብ ወሽመጥ ዓረብን እቲ ዞባን ድማ፡ ብዙሓት መራኽብ ኢራን ጥሒለን። ኣያቶላህ ኻሜኒ ዝርከቦም ሰብ ስልጣን ኣብ መጀመርታ መዓልቲ እቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም።

ሶርያ፡ ዒራቕ፡ ዮርዳኖስ፡ ኩዌት፡ ባሕረይን፡ ቐጠር፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ዖማንን ሓዊሱ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብቐይሕ ሕብሪ ኣለወን። ዶባተን ተፈልዩ'ዉን ሽመን ተጻሒፉ ኣሎ። ከባቢአን ድማ ብሓሙኽሽታይ ሕብሪ ተፈልዩ ኣሎ።

ኢራን፡ ንእስራኤል ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ወተሃደራዊ መዓከስር ኣመሪካ ዝርከበለን ሃገራት ኣጥቂዓ። ናብቲ ጐንጺ ከይጥሕላ ዝሰግኣ ሃገራት እቲ ዞባ ከምቲ ዝሓሰብኦ ኣይኰነለንን።

ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘርኢ ካርታ፡ ሊባኖስ ሽማ ተጻሒፉ ኣሎ። ኢራን ሓዊሱ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ ወጥሪ ንምርኣይ ብቀይሕ ሕብሪ ተፈልዩ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ንነዊሕ ግዜ ምስ እስራኤል ዘይቃዶ ሕዝቦላህ ናይ ቀረባ መሓዛ ኢራን እዩ።

ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘርኢ ካርታ፡ ተርኪ፡ ቖጵሮስን ኣዘርባጃንን ሽመን ተጻሒፉ ኣሎ። ኢራን፡ ወሽመጥ ዓረብን ጎረቤት ሃገራትን ድማ ብቐይሕ ሕብሪ።

እቲ ጐንጺ፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ሓሊፉ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ መዓልታት ኣብ ቆጵሮስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብሪጣንያ ተሃሪሙ። ኣብ ከባቢ ስሪላንካ ዝነበረት መርከብ ኢራን ድማ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተሃሪማ። ናብ ተርኪ ዝተተኰሱ ሚሳይላት ክብርዕኑ ክኢሎም። ኣብ ልዕሊ ኣዘርባጃን ድማ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙ።

ኢራን፡ ወሸመጥ ዓረብ፡ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ዮርዳኖስን እቲ ዞባን ዘርኢ ካርታ ማእከላይ ምብራቕ። ሽም ዝዀነት ሃገር ኣብቲ ካርታ ኣይተገለጸን።

"ኲናት ኣብ ዝዀነ ዶብ ተሓጺሩ ኣይተርፍን፡" ቶም ፍሌቸር - ኣተሓባባሪ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት 2 መጋቢት

እቲ ተስፋ፡ ብፍርሕን ስንባደን ተተኪኡ

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ኣብ ዝተቐትልሉ እዋን ትራምፕ "ሓገዝ ይመጽኣኩም ኣሎ፡" ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ፡ እቲ ሓገዝ ክበጽሕ ከሎ ገለ ሕጕሳት ነይሮም። ሞት እቲ ላዕለዋይ መራሒ ብሓጐስ ዝተቐበሉ ኢራናውያን ዘርእዩ ምስልታት'ዉን ወጺኦም።

ሞት ስቪላውያን ምስ ወሰኸ ግን፡ ስንባደን ፍርሕን ጀሚሩ። ኣብ ከተማ ሚናብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር መብዛሕትኦም ህጻናት ዝዀኑ 160 ሰባት ተቐቲሎም። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ምብራቕ ቴህራን ብፍርስራስ ዝዓነወ ህንጻ ዝተጸቕጡ ሰባት ንምድሓን ዝግበር ኣለሻ ቐጺሉ ኣሎ።

ኣብ ቴህራን ኣደባባይ ሬሳላት ዝርከብ ህንጻ ድሕሪ ዝበጽሖ መጥቃዕቲ ኣየር

ሕቡራት መንግስታት፡ ክሳብ ሕጂ 3.2 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ። ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ድማ መጠንቀቕታ እስራኤል ስዒቡ ብውሑድ 800 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም።

እቲ ኲናት ዝጀመርኦ'ዉን ዋጋ ይኸፍላ እየን ዘለዋ። ኣመሪካን እስራኤልን ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ወተሃደራተን ስኢን እየን። ኢራን ኣብ ቤይት ሼሜሽ ዝርከብ መጽለሊ ድሕሪ ምህራማ ትሸዓተ እስራኤላውያን ሞይቶም። ጾር እዚ ውግእ ኣብ ሲቪላውያን'ዉን ወዲቑ ይርከብ።

ድሕሪ'ዚ ኹሉ ፍርሕን ክሳራን፡ ስርዓት እስላማዊ መንግስቲ ኢራን ኣብ ቦታኡ ኣሎ።
ካብ ኻርጅ፡ ኢራን ዝመአጽት ጓለንስተይቲ

ጥንካረ ኢራን ብድሮናትን ትሑት ቴክኖሎጂ ብዘለዎም ኣጽዋርን ተፈቲኑ'ዩ።

ኣመሪካ፡ ድሕሪ ብ2003 ዝተኻየደ ኲናት ዒራቕ፡ ንሰሙናት መራኽብ ውግኣ ሓዊሱ ነፈርቲ ውግእ ዘካተተ ዓብዪ ዝተባህለ ወተሃደራዊ ምድላዋት ገይራ እያ።

እስራኤልን ኣመሪካን ኣሎ ዝበሃል ኣጽዋር ዝተዓጠቓ እየን። ምክልኻል ኢራን ንምዕናው ካብ ርሑቕ ዝውንጨፉን ዒላምኦም ዘይስሕቱን ሚሳይላት ኣለወን። ዘለወን ኽዙን ቦምባታት ዝውዳእ ኣይመስልን።

ሚኒስትር ምክልኻል ኣመሪካ
እዚ፡ ብዝዀነ መዐቀኒ ሓይሊ ሚዛን ዝሓለወ ውግእ ኣይኰነን።
ፔት ሄግሴት
ሚኒስትር ምክልኻል ኣመሪካ

ኢራን ኣብ ካርታ ባለስቲክ ሚሳይላትን ድሮናት ተዓጢቓ ትርአ። ሕጂ ንምቑጣብ ይኹን ኣይኹን እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ንኽልተ ሰሙናት ግን ቁጽሪ እትቀጥመሎም ኣጽዋር ነክያ እያ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ባሕሪ ዝተጠቐመትሎም ኣዕንዮም ዝዓንው ድሮናት ኣለዋ። እዚኦም ክትፈልዮም ኣጸጋሚ ስለ ዝዀኑ፡ ከተዕንዎም እውን ይኸብድ። እዚ እቲ ኲናት ንክነውሕ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።

ወሰኽ ዋጋ ሃገራት ዝተፈላለየ ውሳነ ክውስና ይገብረን ኣሎ

መዘዝ ኲናት ዋይት ሃውስ ትጽቢት ብዘይተገብሮ መልክዑ ቁጠባ ዓለም ክጉዳእ ጀሚሩ ኣሎ።

20 ሚእታዊት ነደዲ ዓለም ዝሓልፈሉ ወሽመጥ ሆርሙዝ ተዓጽዩ ኣሎ።

ብዝሒ እተን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብ ዘርኢ ካርታታት። እቲ ቀዳማይ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ዋሕዚ መራኽብ ዘርኢ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ከም ዝነከየ ዘርኢ እዩ።

ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝወስድ ሻምብቆ ነዳዲን ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣቢሉ ናብ ወሽመጥ ዖማን ዝወስድ ንእሽቶ መስመርን ኣብ ቀረባ እዋን ነዚ ዕንቅፋት ንምእላይ ክሕግዝ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ግን ቀረብ ነዳድን ጋዝን ነክዩ ይርከብ።

ካብ ኣቬሽን ክሳብ ሕርሻ፤ ካብ ፕላስቲክ ክሳብ ምምልላስ ጽዕነት፡ ሳዕቤን ናይዚ ቅልውላው ዘይተንከፎ ኩርናዕ ዓለማዊ ቁጠባ የለን።

ሽዱሽተ መስመራት ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዋጋታት ነዳዲ፣ ጋዝ፣ ነዳዲ ነፈርቲ ውግእ፣ ድኹዒ፣ ኣሉሚንየምን ስርናይን ዘርእዩ እዮም። ነፍሲ ወከፍ መስመር “ኣመሪካን እስራኤልን ንኢራን ኣጥቂዐን” ዝብል መስመር ኣለዎ። ዋጋታት ኩሎም እቶም ሽዱሽተ ኣቑሑት ድሕሪ እቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ብቕጽበት ወሲኹ።

ኣብ ፊሊፒንስ ገለ ሰበስልጣን ጉዕዞ ንምንካይ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ይሰርሑ ኣለዉ። ኣብ ታይላንድ፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝርከቡ መዝሓሊ ኣየር፡ ንሃልኪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግዳብ 26C (79F) ክኾኑ ተገይሩ። ወተሃደራዊ መንግስቲ ሚያንማር፡ ናይ ብሕቲ መካይን ሓደ መዓልቲ ክዓርፋ ዝብል መምርሒ ወጺኡ።

ኣብ ብሪጣንያን ኤውሮጳን፡ ኩባንያታት ጸዓት ካብቲ ቅልውላው መኽሰብ ንምርካብ ይሰርሓ ኣለዋ ብዝብል ስክፍታታት፡ መንግስታት ወሰኽ ዋጋታት ክቈጻጸሩ ምዃነን ገሊጾም።

ዋላ እኳ ትራምፕ ዋጋ ነዳዲ ከጉድል ቃል እንተኣተወ፡ ኣብ ኣመሪካ ግን ዋጋ ነዳዲ ይውስኽ ኣሎ።

ኣብተን ኣህጉራዊ ማእከል ቱሪዝም ዝዀና ቀጠርን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓዊሱ ቱሪዝም ብኸቢድ ተሃስዩ ኣሎ። ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2025 መዓልታዊ ርብዒ ሚልዮን ተጓዓዝቲ ዝሕዝ ዝነበረ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ፡ ብተደጋጋሚ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ዒላማ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቍጸሩ በጻሕትን ነበርትን ሃዲሞም።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ መኽዝናት ነዳዲ ብሚሳይላት ኢራንን ቅልጡፋት ጀላቡን ክህረሙ ርኢና ኣለና። ካብ እስራኤልን ኣመሪካን ዝመጽእ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ዘጋጥማ ዘሎ ኢራን፡ ብቐሊል፡ ብተዛማዲ፡ ግን ከኣ ብኣዝዩ ኣድማዒ መገዲ ምላሽ ክትህብ ወሲና ኣላ።

መሓዙት ኣመሪካ ኣመና ሰንቢደን ኣለዋ

እስራኤልን ኣመሪካን ዝብል ጽሑፍ ምስ ባንዴራ እተን ሃገራት

ነዚ ኲናት እዚ ዝደለያ ክልተ ሃገራት ጥራይ እየን። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ንሱን ብዙሓት እስራኤላውያንን ንህላወ መንግስቲ ኣይሁድ ስግኣት ጌሮም ዝረኣይዋ ሃገር ንምውራር ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ድሌቶም ኣይሓብኡን። ዶናልድ ትራምፕ ንኒኩለራዊ ህርፋን ኢራን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ከዕንዎ ይደሊ።

ክልቲኦም መራሕቲ ናይ ሓባር ዕላማ እኳ እንተሃለዎም፡ ብዛዕባ ዝቕጽል ብዙሕ ይሓስቡ ድዮም ኣይሓስቡን ግን ንጹር ኣይኰነን። ክልቲኦም ህዝቢ ኢራን ዕድሉ ባዕሉ ንክቈጻጸር ብዘይንጹር ቃላት ተዛሪቦም'ኳ እንተነበሩ፡ እቲ ኲናት ከስዕቦ ዝኽእል ዕግርግር ግን ዘሰከፎም ኣይመስሉን።

ሽም ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፡ ኩዌት፡ ባሕሬን፡ ቀጠርን ዖማንን ተጻሒፉ ኣሎ፤ ባንዴርአን'ዉን ብኽቢ ቅርጺ ተቐሚጡ ዘርኢ ስእሊ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓዊሱ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መሓዙት ሃገራት ዋሽንግተን እቲ ኲናት ኣርዒዱወን እዩ። መብዛሕትአን ንኢራን ብጥርጣረን ብፍርሕን ይርእይኣ፤ እንተዀነ ምስታ ኣኽራሪት ጎረቤተን ብሰላም ዝነብራሉ መገዲ ረኺበን ጸኒሐን እየን። ኢራን ዓለምለኻዊ ዘይምርግጋእ ዝፈጥር ዓቕሚ ከም ዘለዋ ኣጸኒቐን ይፈልጣ'የን፤ ግን ሓይሊ ካብ ምጥቃም ብልዝብ ክፍታሕ ይመርጻ። ዖማን ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ብዛዕባ ኒዩክለራዊ መደባት ኢራን ስምምዕ ንክግበር ዘኽኣለት ትመስል ነይራ። ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ሒደት ሰዓታት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን ኣብ ተለቪዥን ኣመሪካ ቀሪቡ ነይሩ፡ ነቲ ግጭት ከህድኦ ተስፋ ብምግባር፡ እቲ ስምምዕ “ኣብ ኢድና” ኣሎ” ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ጎኒ ብሪጣንያ ዝብል ሽም እቲ ባንዴራ ብኽቢ ቅርጺ ተቐሚጡ ኣሎ

ካልኦት መሓዙት ኣመሪካ እውን ከቢድ ምርጫ የጋጥመን ኣሎ። ካብቲ ኲናት ንምርሓቕን፡ ብሪጣንያን መሻርኽታን ረብሐአን ንምሕላው ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር ንላዕሊ ዝተቓለሰ ሰብ የለን። ናብቲ ዞባ መራኽብ ውግእ ምልኣኽ ከም ዘድሊ ብሕጋዊ መንገዲ ምኽኑይ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ከምኡ ምግባር ዘጋጥም ከቢድ ለስ ዝዀነ፡ ኣብ ሓደ እዋን ዝና ዝነበሮ ሓይሊ ባሕሪ እንግሊዝ ዘለወሉ ኩነታት ኣጊሊሑ ዘርኢ ኰይኑ ኣሎ። ዘጋጥሞ ጸገም ዘጉልሕ እዩ።

ኣብ ጎኒ ሩስያን ቻይናን ዝብል ጽሑፍ ቅርጺ ባንዴራ ዘርኢ ምስሊ

ሩስያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝበጽሐ ጉድኣት ክትጣዓሳ እትኽእል መሓዙት ቴህራን ክትከውን እንከላ፡ እቲ ዘይተጸበየቶ ወሰኽ ኣታዊታት ነዳዲ ግን ንሞስኮ ኣብ ዩክረይን እትገብሮ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ኲናት ንምምዋል ዘድልያ ገንዘብ ክህባ ይኽእል እዩ።

ኣብ ዓለም፡ እታ ዝዓበየት ካብ ኢራን ነዳዲ እትዕድግ ሃገር ቻይና እያ። ሕጂ ብዝለዓለ ዋጋ ኣማራጺታት ትእልሽ ኣላ። ቤጂንግ "ኩለመዳያዊ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት፡" ኣብ ልዕሊ ዘለዋ መሓዝኣ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ክትከላኸለላ ኣይክለኣትን።

ብተኸታታሊ ዝተመርጹ ፕረዚደንታት ኣመሪካ፡ ኣብ ኤስያ ትኹረት ብምግባር፡ ንቁጠባውን ወተሃደራውን ብድሆታት ቻይና ኣብ ምምካት እዮ ነይሮም። ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ንኣመሪካ ዳግማይ ናብ ካልእ ገደል መሪሕዋ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተሓትመ ስትራቴጂ ትራምፕ፡ ኢራን ብዝለዓለ ደረጃ ተዳኺማ እያ፡ በዚ ምኽንያት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዙሕ ጸገም ኣይፍጠርን ዝብል ነይሩ።

"ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ነዊሕን ሓጺርን ግዜ ላዕለዋይ ጀረጃ ሒዙ ዝጸንሓሉ መዓልታት ኣእኺሉ'ዩ፡" ብምባል ወሲኹ ገሊጹ።

ምንጪ

ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ኲናትን ፕሮጀክት ወሳኒ ስግኣታት AEIን፡ ተበግሶ ስግኣት ኒዩክሌር፡ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት፡ ግሎባል ፊሽንግ ዋች፡ ብሉምበርግ