እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ዩክረይን፡ 'ብጾትካ ኣብ ኢድካ እዮም ዝሞቱኻ'
ኣብ መጀመርታ መዓልታት ወራር ሩስያ፡ ማክሲም ተዋዛዪ እዩ ነይሩ፣ ሎሚ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ዓቢ ሰብ ኰይኑ ኣሎ።
ሽዑ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ምኻድ ሓሳቡ ወንዚፉ ኣብ ውትህድርና ተመልሚሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ግንባር ዶንባስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ጕዕዞ ሰጊሩ ምስ ተመልሰ፡ እቲ ኵነታት እንታይ ከምዝመስል ምስ ቢቢሲ ዕላል ገይሩ ነይሩ።
ንኣሃዱኡ ተወሳኺ ዕጥቂ ስንቅን ከምጽእ እዩ ተመሊሱ ዘሎ።
ኣብታ ሰራዊት ሩስያ ብኸቢድ ብረት ክሃርማ ዝኽእል ባኽሙት ዝተባህለት ከተማ ኢና ተራኺብና።
ገለ ህንጻታታ ዓንዮም፡ ነበርታ ወጺኦም እዮም፤ ሰብ ዝበሃል የብላን።
ንሰለስተ ሰሙን ዝኣክል፡ ሰርበር ንዝተበሃለት ስትራተጂያዊት ቦታ ንዘይምግዳፍ ኣትሪሮም ተዋጊኦም።
እዚ፡ ሩብዢን ኣብ ዝተበሃለት ከተማ ዝርከብ ፋብሪካ ኾይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ኢድ ሩስያውያን እትዩ'ሎ።
"ዳርጋ ሲኦል እዩ። ንምክልኻል ዘኽእል ጽቡቕ ቦታ ኣይነበረናን። ገለ ድፋዓት ነይሮምና። ካብ ሕብረት ሶቬት ጀሚሩ ዝነበረ ዕርድታት ድማ ንጥቀም ነይርና፡" ኢሉ።
ኣሃዱኡ ኣብ መዓልቲ ዳርጋ ንልዕሊ 25 ግዜ ትጥቃዕ ነይራ።
"ሓደ ካብ ኣዕሩኽተይ ኣብኡ ተወቒዑ ሞይቱ፤ ካልት ካብ 10- 15 ዝዀኑ ድማ ቈሲሎም።"
ኣብ ዩክረይን ክረምቲ ኣትዩ ኣሎ።
እንተዀነ ኣብታ ኣዝዩ ልሙዕ መሬት ዘለዋ ዓዲ፣ ኣብ ዞባ ዶንባስ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኲናት ይካየድ ኣሎ።
ጀነራላት ሩስያ፡ ካብ ዓወት ዩክሬናውያን ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቭን ኻርኪቭን ተሞኵሮ ክወስዱ ይፍትኑ ኣለዉ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ድሕሪ ዝገጠሞም ስዕረት፡ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ከንሳሕብ ተገዲዶም።
ሓይልታት ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ከቲቶም፡ ቦታ ክቈጻጸሩ ኣበርቲዖም ይዋግኡ'ለው።
በዚ ኸኣ፡ ሓይልታት ዩክረይን ካብተን ንዶንቦስ ዘዋስና ክልተ ግዝኣታት ሓንቲ ዝዀነት ሉሃንስክ ክወጽኡ ተገዲዶም ኣለው።
እታ ካልኣይቲ ዓቢይ ሓይሊ ዩክረይን ዝርከበላ ዶነስክ፡ ብኸበድቲ ኣጽዋር ሩስያ ትህረም ኣላ።
ምስ ተምሃራይ ስነ-ህይወት ዝዀነ ማክሲም ንፈለማ እዋን ዝተራኸብና፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት እዩ ነይሩ።
ንሱን ካልእ ቁጠባ ዘጽንዕ ወዲ 18 ዓርኩ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ዲሚትሮን ካብታ ናይ መጀመርታ ወራር ሩስያ እዮም ክዋግኡ ወሲኖም።
ብዘይካ ዝተሓንገጥዎ ክላሺንኮቭ፡ ኣብቲ ቝሪ ዝበዝሖ ኵነታት ኣየር ተኣኪቦም ወተሃደራዊት መኪና እናተጸበዩ፡ ናብ ዝዀነ ተሃድሶ ዝኸዱ 'ምበር ናብ ውግእ ዝወፍሩ ኣይመስሉን።
እዚ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት መበል 20 ክፍል ዘመን ዘዘኻኽር፡ ኣብዚ እዋን'ውን ኣብ ምድሪ ኣውሮጳ፡ ወዲ 18ን ወዲ 19 ዓመታት መንእሰያት ናብ ኲናት ምውፋሮም፡ ምምጻእ ክፉእ እዋን ዘመላኽት እዩ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ማክሲምን ዲሚትሮን ካልኦት ዩክሬናውያንን ዳርጋ እቲ ኲናት ይላመድዎ ነይሮም።
ኣብ እዋን ኲናት ሰባት ብኸመይ ህይወቶም ከምዘድሕኑ ተማሂሮም እዮም።
ኣብ መጀመርታ ስንባደደታት ነይሩ። ካብኡ ግን ንእሽቶ ይዅን ዓቢ ከም ብሓድሽ ህይወቱ ክመርሕ ጀሚሩ።
ኣብቲ ናይ መጋቢት ፈላሚ ዘረባና፡ እቲ ኲናት ንኵሉ ነገራት ከመይ ከምዝቐየሮ ኢና ኣዕሊልና።
ማክሲም፡ ዝኣረገ መሲሉ ተሰሚዕዎ ኣሎ።
"ምስ ኣንስትና፡ መጻምድናን፡ ደቅና ክንራኸብ ኣይከኣልናን። ስራሕና ከም ንቡር ምስላጥ ገዲፍናዮ። እንተዀነ ኣብ ሓደ ወሳኒ ተልእኾ ከምዘለና እዩ ዝስመዓና። ምስ ደቅና ክንራኸብ ኢና፣ እንስትና'ውን ክንተሓቛቘፍ ኢና። እዚ ዝኸውን ግን ድሕሪ ኲናት ጥራይ እዩ።"
ወራር ሩስያ ስዒቡ፡ ህይወት ዩክረናውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህይወት ኵላትና እዩ ተጸልዩ።
ሰራዊት ሩስያ እናደፍአ'ኳ እንተዀነ፡ ማክሲም ይዅን ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ዘሎ፡ ዓርኩ ዲሚትሮ፡ ከም ሓጺን ተሪሮም ይዋግኡ ከምዘለዉ እዮም ዝኣምኑ።
"በዚ ኣብ ድፋዕ ዘሎ ቝሪ ዋላ ንጽመም፣ ህይወትና'ውን ንስኣን፡ ክሳብ መወዳእታ ክንዋጋእ ኢና። እቲ ካልእ ስልጡን ዓለም ድማ፡ ንሩስያ፡ ብዘይ ብረት ክዋጋእ ኣለዎ፤ ኣብ መወዳእታ ተዓወትቲ ምዃንና ንፈልጥ ኢና።"
ምስ ፑቲን መሬት ብምሃብ ይዅን ብኻልእ ክትዋገ ኣይትኽእልን።
"ፑቲን ብዘይካ ጠመንጃ ካልእ ቋንቋ ዝርደኦ ኣይመስለንን። ብዝዀነ ካልእ መገዲ ክትዘራረቦ እትኽእል ሰብ ኣይኮነን፤ መሬት ቈሪስካ፡ 'እዚኣ ውሰድ'ሞ እዚ ኲናት ደው ይበል' ዝበሃል ዓይነት ሰብ ኣይኰነን" ኢሉ።
ማክሲም፡ እዚ ኲናት ህይወቱ ኣዝዩ ከም ዝቐየሮ እዩ ዝዛረብ።
ኣቐዲሙ፡ ኣብ ፈለማ እዚ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳውያን፡ ኮንሰርታት ኣብ ምድላው ይነጥፍ ነይሩ።
"ሕጂ'ውን እንተዀነ ንሕቶኺ ኣጸቢቐ ክምልሰልኪ ይኸብደኒ እዩ። ገለ ኣዕሩኽትኻ ኣብ ኢድካ ክሞቱኻ ክትርደኦን ክትቅበሎን ከቢድ እዩ።"
ወግእ ብርሃንን ጸልማትን
ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ማክሲም፡ ንስድራኡ ምስቲ ወተሃደራዊ ዩኒፎርም እንታይ ይገብር ከምዘሎ ኣይነግሮምን ነይሩ።
"ሕጂ ግን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ይርድኡኒ እዮም። ኣብ ዝጠዓመኒ ኣጋጣሚ ይድውለሎም እየ። ኣደይ ንዓይን ንኣሕዋተይን ወተሃደራዊ ክዳን ልኢኻትልና ኣላ።"
ኣቦኡ ኣብቲ ኣብ ዓዱ ዝግበር ዘሎ ናይ ምክልኻል ውግእ ክሳተፍ ወሲኑ ነይሩ፤ እንተዀነ ወዲ 65 እዩ።
"ዓቢይ ኢኻ ኢሎም ምስ መለስዎ፤ ደዊሉ 'ኣብ ናትካ ኣሃዱ ዶ ክኣቱ ይኽእል' ኢሉ ሓቲቱኒ።"
"ስድራይ ኣዝዮም እዮም ዝድግፉኒ፡ ይርድኡኒ። ብስነ ኣእምሮ ይዅን ብገንዘብ ይሕግዙኒ እዮም።
ሓይልታት ዩክረይን ንዶንባስ ክስእንዋ ከምዝኽእሉ ብዙሓት ምልክታት ኣለዉ።
ኣዝዮም ከበድቲ ድፋዓት ይኳዓቱ ኣለዉ። ኣዝዮም ገዘፍቲን ዘመናውያን ኣጽዋራት ውግእ ናብቲ ከባቢ ይኸዱ ኣለው።
ወተሃደራዊ ቃፍላይ ናብቲ ከባቢ ብበዝሒ ይግዕዛ ኣለዋ።
እንተዀነ ከምቲ ዝተፈርሐ ክሳዕ ሕጂ ክቈጻጸርዋ ኣይከኣሉን።
"ንሕና ንዩክረይን ጥራይ ኣይኰናነን ንዋጋእ ዘለና፤ ከምኡ ዝሓስብ እንተሎ ተጋግዩ እዩ። ንሕና ንመላእ ስልጡን ዓለም ኢና ንዋጋእ ዘለና። እዚ፡ ኲናት ብርሃንን ጸልማትን፣ ኣብ መንጐ ሩስያን መላእ ዓለምን ዝካየድ ዘሎ ወግእ'ዩ፡" ኢሉ።