ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንኻልኣይ ጊዜ ብዋና ዳይሬክተርነት ተመሪፁ

ምንጪ ስእሊ, WHO/SCREEN
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንኻልኣይ እብረ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ተመሪፁ።
ኣብቲ እንኮ ሕፁይ ኮይኑ ኣብ ዝቐረበሉ መረጻ፡ ንኻልኣይ ዙር ነቲ ትካል ክመርሖ ምዃኑ ዝተፈለጠ ጀኔቫ ኣብ ዝተኻየደ መበል 75 ሓፈሻዊ ጉባኤ'ዩ።
ድሕሪ ምፍፃም ቃለ-መሓላ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ነተን ብሕፁይነት ክቐርብ ድምፂ ዝሃብኦ ሃገራት ምስጋና ኣቕሪቡ።
ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ነቲ ዓለማዊ ትካል ሕቡራት ሃገራት ክመርሕ ዝጸንሐ ዶክተር ቴድሮስ፡ ለበዳ ኮቪድ 19 ከምኡ ድማ ካብ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝቐርበሉ ዝነበረ ነቐፌታ ንግዜ ስልጣኑ ዝተፈታተኑ ምንባሮም ይግለፅ።
ትራምፕ "ኣብ ጉዳይ ኮሮና ምስ ቻይና ወጊንካለኻ" ዝብል ነቐፌታታት የስምዕ ምንባሩ ይዝከር። ብኣንፃሩ ድማ ነቲ ዓለማዊ ለበዳ ኣብ ምልክኻል ብዝገበሮ ዝለዓለ ፃዕሪ ናእዳታት ክቐርበሉ ተሰሚዑ።
ንኻልኣይ ዙር መረፃ ምስተዓወተ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ "ኣባይ ንዘለኩም ምትእምማንን ንዝሓብኩምኒ ሓላፍነትን ኣመስግን" ኢሉ።
ካብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ሰነ 2022 ጀሚሩ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ብዋና ዳይሬክተርነት ነቲ ዓለምለኻዊ ትካል ክመርሖ'ዩ።
እንታይ በለ?
ንስምዒቱ ብቓላት ክገልፆ ከምዝጽገም ዝሓበረ ዶክተር "ብኣይ ስለዝተኣማመንኩምን ኣባይ እምነት ስለዘሕደርኩምን ብጣዕሚ አመስግን" ኢሉ'ሎ።
ገና ሕፁይ ኮይኑ ካብ ዝቐረበሉ እዋን ሃገራት ድጋፈን ከምዝገለፃሉ ብምዝኽኻር ድማ ንሱን መሳርሕቱን ነቶም ዘጓንፍዎም ዝነበሩ ብድሆታት ብኸመይ ከምዝሰገርዎም ካብ ሰባት ሕቶታት ከምዝቐርበሉ ሓቢሩ።
ገለ ሰባት "ቴድሮስ ኣብ ፀቕጢ ኢኻ ነይርካ። ኩሉኹም ኣባላት ውድብ ጥዕና ዓለም። ንልዕሊ ክልተ ዓመት ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ። ካብኡ ድማ ከቢድ ነቐፌታን መጥቃዕትን ካብ ብዙሓት ኣካላት ይቐርበልካ ነይሩ። ብኸመይ ክኢልካዮ? ምናልባት መብዛሕትኹም ረጉድ ቆርበት ኣለኩም ማለት እዩ" ከምዝበልዎ ጠቒሱ።
ናቱ መልሲ ድማ ክንዲ ድላዩ ረጉድ ቆርበት ይሃልኻ ናብ ውሽጢ ክሰርፅ ይኽእል እዩ። ተረጋጊዕና ክንሰርሕ ዝኸኣልና ግና፡ ነቐፌታ ኮነ ፀርፊ እንትመፅእ ኣብቲ ሰብ እንተይኮነስ ኣብቲ መልእኽቲ ስለነትኩር እዩ" ዝብል ምንባሩ ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ዝነበረ፡ ዶክተር ቴድሮስ ካብ 2012 ክሳብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብምዃን ከምዘገልገለ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ ድማ ኣብታ ሃገር ብሚንስተርነት ጥዕና ሰሪሑ ነይሩ። ኣብዚ ሓላፍነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክሰፍሕን ሞት ህፃናትን ኣዴታትን ክንክይን ከምዝኸኣለ ይጥቀስ።
ኲናት ትግራይ ብድሕሪ ምውልዑ "ንህወሓት ትድግፍ ኢኻ" ብዝብል ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክስታት ክቐርበሉ ይስማዕ።
ንሱ ብወገኑ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዕፅዋን ከበባን ብምፍፃም ሰባት ንሞትን ሕማምን ክቃልዑ ከምዝገበሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድም ክብል፡ ናብ ላዕለዋይ ቦርድ ውደብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝልኣኾ ናይ ጥርዓን ደብዳበ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰንኪ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘይሻራውነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ይኣቱ ክብል'ውን እንትኸስስ መንግስቲ ኤርትራ ድማ "መዝነቱ ብዘይ ኣግባብ ይጥቀመሉ ኣሎ" ኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ ድጋፎም ንዶክተር ቴድሮስ ዘርኣዩ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ቁፅሮም ቀሊል ኣይነበረን። ፕረዚደንት ናሚብያ ሃጌ ጄኒግቦ፡ "ዓለም ሓድነት ኣብ እትጠልበሉ እዋን ኣርአያ ዝኾነ መራሒ" ክብል ንዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንኢድዎ ነይሩ።





![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

