ታንዛኒያ፡ 'ንኹሎም ደቂ ተባዕትዮ ፕሬዝደንታት በሊጸዮም'የ' - ፕሬዝደንት ሳሚያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ታንዛኒያ ሳሚያ ሱሉሁ፡ ንመብዛሕትኦም ኣብያተ ጽሕፈት ሃገራ ልዕሊ እቶም ቅድሚኣ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ፕረዚደንታት ብዝሓሸ መገዲ ከም ዝመርሓቶም ተዛሪባ።
ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና፡ ኣብ መጀመርታ ናብ ስልጣን ዝመጽኣትሎም መዓልታት እምነት ዘሕድረላ ስኢና ከም ዝነበት'ውን ገሊጻ።
ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ነበር ጆን ማጉፉሊ ኣብ መጋቢት 2021 ናብ ስልጣን ዝመጽአት ሳሚያ፡ ኣብ ጋና ይካየድ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ንኽትሳተፍ ናብ ኣክራ ኣቕኒዓ'ላ።
"ህዝቢ ታንዛኒያ ክኣምነኒ ምግባር ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ፤ ልክዕ ከም ወዲ ተባዕታይ ሃገር ክመርሕ ከም ዝኽእል ምእማን ዓቢይ ፈተና ነይሩ" ክትብል ተዛሪባ።
ወሲኻ፡ "ኣብ ቀዳማይ ሓደ ዓመት፡ ልክዕ ከም ሓደ ወዲ ተባዕታይ ክገብሮ ዝኽእል ብምስራሕ፣ ኣብ ገሊኡ ድማ ልዕሊ'ቲ ዝሰርሕዎ እናሰራሕኩ፡ ሓይሊ ጓለንስተይቲ ከርኢ ነይሩ፡ " ኢላ።
ሳሚያ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት እያ። ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ጽምብላዊ ተራ ጥራይ እዩ ዘለዋ።
ፕረዚደንት ሳሚያ፡ ኣብቲ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝወደቦ ዓመታዊ ዋዕላ፡ ቁጠባዊ ዕብየት እታ ሃገራ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ 6.5 ሚእታዊት ናብ 4 ሚእታዊት ከም ዝወረደ ገሊጻ።
ኣብ ግዜ መሪሕነታ ግን፡ ናብ 5.2 ሚእታዊት ከም ዝዓበየን፡ ኣብ 2025 6.7 ሚእታዊት ክበጽሕ'ዩ ተባሂሉ ከም ዝግመትን ሓቢራ።
ሳሚያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተዓዋቲት 'ሃነጽቲ መገዲ ኣፍሪቃ' [Africa Road Builders-Babacar Ndiaye] ብዝብል ተሸላሚት ጽዋዕ ባባካር ንዳየ ኮይና እያ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
