'ዝሕታለ ኣእምሮ ብምዝባል እምበር ብመርገምን ትዕድልትን ዝመጽእ ኣይኮነን' ዮውሃንስ ፈርዲናንድ

Published

ንነዊሕ መዋእል ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ እዋን መውስቦ ብዝኽሰት ምምዝባል ክሮሞዞም ፍልይ ዝበለ ቅርጽን መልክዕን ሒዞም ዝውለዱ ዝሕታለ ኣእምሮ ዘለዎም ቈልዑ ብማሪታዊ እምነት (ብሰንኪ መርገም ስድራ-ቤትን ተጻብኦ ኣጋንንትን) እዮም ከምኡ ዝኾኑ ዝብል ድሑር ባህላዊ እምነት ስለ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ እቶም ቈልዑን ወለዶምን ከቢድ ጸቕጥን ጸገምን የጋጥም ከም ዝነበረ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ ይገልጽ።

"ማሪታዊ እምነታት ኣብ ኵሉ ዘይማዕበለን ብሳይንስ ዘይግዛእን ሕብረተሰብ ዓለም ዘሎን ዝነበረን እዩ። እዞም ሕጂ ብሕክምናዊ ምርምር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝስጉሙ ዘለው ሕብረተሰብ ምዕራብ ኤውሮጳ፡ ቅድሚ ኣስታት ሓምሳ ዓመታት ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ከምዝነበሮም ይዛረብሉ እዮም፡" ክብል ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቈልዑ ዝፍጠር ጥዕናዊ ጸገማት ኣብ ስርዓተ መውስቦ እቶም ተጻመድቲ ብዝኽሰት ረቂቕ ምምዝባል እምበር ብመርገምን ትዕድልትን ከም ዘይመጽእ የረድእ።

ኣብ ከበሳዊ ሕብረተሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጉድለት ጥዕና ንዝውለዱ ኮነ ድሕሪ ምውላዶም ብሕማም ጥዕናዊ ጸገማት ዘጋጥሞም ቈልዑ በቲ ሕብረተሰብ ኮነ መንግስታዊ ምምሕዳር ኣልያን ክንክንን ስለ ዘይረኽቡ እቶም ስድራ ቤታት ኣብ ከቢድ ጸገም እዮም ዝወድቁ።

ብፍላይ ቅድሚ 40-50 ዓመታት ስንኩል ቈልዓ ዝወለዳ ስድራታት ዕድል መውስቦ ካልኦት ደቆም ከይበላሾ ብምፍራሕ፡ ነቶም ጸገም ጥዕና ዘለዎም ደቀን ካብ ሕብረተሰብ ሓቢአን የዕብያኦም ከም ዝነበራ ኣቶ ዮውሃንስ ይሕብር።

"መስርሕ ንቕሓትን ምዕባለ ሕብረተሰብን ዘገምታዊ ብምዃኑ፡ ሽዑ ጥራይ ዘይኮነ ሕጂ'ውን እንተኾነ 'ወደይ ወይ ጓለይ' ጸገም ጥዕና ኣለዎም እሞ ሓግዙኒ ዝብሉ ስድራ ውሑዳት እዮም፡" ይብል ዮውሃንስ።

ንኣብነት ኣብ ዝተፈለላየ ኣጋጣሚታት ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ቀሪቦም ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ኣጋጢሙና እሞ ርድኡና ዝብሉ ሰባት ምርኣይ፡ እቲ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ዝሕታለ ኣእምሮ ይዅን ካልእ ተመሳሳሊ ስንክልና ቈልዑ ዘለዎ ኣረዳድኣ ይቕይር ከም ዘሎ ዘረድእ ስለ ዝኾነ ክሳብ ብምልኣት ዝነቅሕ ክሕገዝ ይግባእ ይብል ኣቶ ዮውሃንስ።

ንምዃኑ ዝሕታለ ኣእምሮ (ዳውንስ ሲንድረም) እንታይ እዩ?

ዝሕታለ ኣእምሮ ናይ ሓደ ሰብ ናይ ምምሃር ክእለትን ኣካላዊ ኩነታትን ዝጸሉ ናይ መፈጠር (ጀነቲክ) ጸገም እዩ፡፡

እዚ ጸገም'ዚ ድሒሩ ዝመጽእ ወይ ዝመሓለለፍ ሕማም ኣይኮነን፡፡

ክብ ኢሉ ከም ዝተገልጸ ዝሕታለ ኣእምሮ ብሰንኪ ኣብ እዋን መውስቦ ኣብ ዘርእን እንቋቑሖን ክልተ ተጻመድቲ ዝፍጠር ምምዝባል ክሮሞዞም ዝኽሰት ተርእዮ እዩ።

ናይቶም ጥዑያት ቈልዑ ክሮሞዞም 21 ክኸውን እንከሎ ናይቶም ዝሕታለ ኣእምሮ ዘጋጥሞም ቈልዑ ክሮሞዞም ግን 23 ይኸውን።እቲ ክሮሞዞም ኣብ እዋን ድቂ ዕሸልን ዕቤት ጥንስን ድሕሪ ልደትን ንዝኽሰት ምዕባለን ዕቤትን እቲ ህጻን ይውስን።

እቶም ዝሕታለ ኣእምሮ ዘለዎም ቈልዑ ተመሳሳሊ መልክዕ'ኳ እንተለዎም ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ግን እተፈላለየ ክእለትን ብልሒ ኣእምሮን ከምዘለዎ ሊቃውንቲ ይገልጹ።

ዝሕታለ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ከም ማንም ሰብ ዝተፈላለየ ስብእናን ክእለትን ኣለዎም።

እታ ካብቶም ካልኦት ቈልዑ እትፈልዮም ንገለ ክፋል ሓበሬታ ንምስልሳል ኮነ ስራሕ ንምስራሕ ወይ ሓድሸ ክእለት ንምቕሳም ካብቶም ካልኦት ቈልዑ ፍልይ ዝበለ ግዜ ከም ዝወሰደሎም ኣቶ ዮውሃንስ ንሰነዳት እቲ ዓውዲ ብምጥቃስ ይዛረብ።

"ዝኾነ ዝሕታለ ኣእምሮ ዘሎዎም ቈልዑ ዝወለዱ ስድራታት ንደቆም ግቡእ ፍቕሪ እናሃቡ ምስ ሕብረተሰብ ምስ ዝሕውስዎም ብልሒ ኣእምሮም ክበራበር ይኽእል እዩ። ንኣብነት እዚ ኣብ ዓለምና ስሙይ ሰብ ቢል-ገይት ኮነ ናይ ሳይንስ ሊቅ ኣልበርት ኣንስታይን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝነብር ሆኪንስ ዝተባህለ ካልእ ዝተሓላለኸ ስንክልና ዘለዎ ሊቕ ካብቶም ዝሕታለ ኣእምሮ ኣለዎም ተባሂሎም ዝጥቀሱ ምዃኖም ምዝካር የድሊ፡" ክብል ሞያዊ ምኽሩ ይልግስ።

እቶም ዝሕታለ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ብኻልእ ኣካላዊ ጸገማት ክጥቅዑ ስለ ዝኽእሉ ግቡእ ክንክንን ቆላሕታን ከምዘድልዮም'ውን ጥዕናዊ ጽሑፋት ይመኽሩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትነብር ጸገም ኦቲዚም ዘለዋ ቈልዓ ዘላታ ኤርትራዊት መምህር ሳባ፡ "ቅድሚ ዅሉ ውላድ ህያብ ፈጣሪ እዩ። ስለ ዝኾነ እቲ ብፈጣሪ እተዋህበና ህያብ ብኽብሪ ክንቅበሎን፡ ከም ወለዲ እቲ ዝገባኦ ፍቕርን ክንክንን ክንገብረሉ ይግባእ፡" ክትብል ንዅሉ ሕብረተሰብ ትመክር።

እዛ ብሕብረተሰብ ከም ዓባይ መምህርን ኣደን እትኽበር ኣደ፡ ነታ ዝወለደታ ፍልይ ዝበለት ውላዳ ልዕሊ ማንም ከምእተፍቅራን ከምእትኣልያን ብዘረባ ዘይኮነ ብግብሪ እያ ትገብሮን ተረጋግጾን።

ንውላዳ ኣብ ዝኾነ ማሕበራዊ ምትእኽኻብን ቤተ-ጸሎትን ሓቚፋታን ሒዛታን ስለእትኸይድ፡ እታ ቘልዓ ከም ማንም መዘናታታ ቈልዑ ስሩዕ ትምህርቲ ትከታተልን ንቡር ህይወትን ትመርሕ ኣላ።

ሰብነት ደቂ ሰብ ብቢልዮናት ብዝቑጸሩ ዋህዮታት ዝተሃነጸ እዩ፤ ነብሲ ወከፍ ዋህዮ ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ ሰረታት ዘርኢ (ጂንስ) ኣለዎ፡፡

እቶም ሰረተ ህይወት ከኣ ክሮሞዞም ብዝበሃሉ መዋቕራት ዝተወደቡ እዮም፡፡

ሰረተ ህይወት [ጂን] ከም ሕብሪ ዓይንናን ጾታናን ዝውስን ጠቓሚ ሓበሬታት ዝሓዙ እዮም፡፡ብልሙድ ዋህዮታት 46 ክሮሞዞማት እዮም ዝሕዙ፡፡

ይዅን እምበር ኵሎም ዋህዮታት ወይ ገሊኦም( ብምኽንያት ቅዳሕ 'ክሮሞዞም21' ተባሂሉ ዝፍለጥ ባእታ) 47 ክሮሞዞም ምስ ዝህልዎም እቲ ዝሕታለ ኣእምሮ (ዳውን ሲንድረም) ከምዘጋጥም ሊቃውንቲ የረድኡ።

እቲ ሕማም ከኣ 'ትራይሶሚ 21' ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ።

ኣብ 1959 ፕሮፌሰር ጀሮም ሰለስተ ዓይነታት ዳውንስ ሲንድረም ከም ዘለው ገሊጹ፤ ንሳቶም ከኣ፡

  • ትራይሶሚ 21- ኵሎም ዋህዮታት ተወሳኺ ክሮሞዞም 21 ዘለዎም። መብዛሕትኦም ዳውን ሲንድረም ዘለዎም ሰባት ኣብዚ ዓይነት ምድብ ከምዝምደቡ ሕክምናዊ ሰነዳት ይነግሩ
  • ትራንስሎኬሽን- እቲ ኣብ ክሮሞዞም 21 ዝተጣበቐ ኣካል ምስ ካልእ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ( ካብ ጠቕላላ ተጠቃዕቲ 4 ምኢታዊት ይሽፍን)
  • ሞዛይክ- ኵሎም ዘይኮነስ ገለ ዋህዮታት ተወሳኺ ክሮሞዞም 21 ኣለዎም። እዚ ከኣ እቲ ዘይተለመደ ዓይነት እዩ።

እቶም ዝሕታለ ኣእምሮ ኣለዎም ዝበሃሉ ቈልዑ እዞም ዝስዕቡ ሓባራዊ ምልክት ከምዘለዎም ሊቃውንቲ ይነግሩ።

  • ጽፍሕ ዝበለ ገጽ፡
  • ናይ ኣልሞንድ ዓይነት ቅርጺ ዘለዎ ዓይኒ
  • ሓጺር ክሳድ
  • ንኣሽቱ ኣእዛን
  • ካብ ኣፎም ውጽእ ዝብል መልሓስ
  • ደቀቕቲ ነጠብጣብ ዘለዎ ብሌን ዓይኒ
  • ንኣሽቱ ኣእዳውን ኣእጋርን
  • ድኹም ጭዋዳታትን መላግቦን
  • ብቘልዑቶም ኮነ ምስ ዓበዩ ሕጽር ዝበሉ ይኾኑ።

እቲ ብትግርኛ ዝሕታለ ኣእምሮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብኢንግሊዝ ግን ዳውንስ ሲንድረም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ሕማም ብስም እቲ ኣብ 1866 ነዚ ሕማም'ዚ ዝምልከት ሓበሬታ ዘሕተመ ዶክተር ጆን ሌግዶን ዳውን እዩ ዝጽዋዕ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ነዚ ጸገም ጥዕና ዝገልጹ ብዙሓት ሓበሬታታት ይወጽኡ እዮም።

ንሕክምና ብዝምልከት ዝሕታለ ኣእምሮ ንምሉእ ዕድመ ዝጸንሕ ጸገም እዩ።

ይዅን እምበር ነቶም ጸገም ዘለዎም ቈልዑ ካብ ግዜ ህጻንነቶም እቲ ዝግባእ ሕክምናውን ሰብኣውን ክንክንን ሓገዝን እንተ ተገይሩሎም፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ክእለታቶም ክዓብን ክመሓየሽን ይኽእል እዩ።

እቶም ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝርከቡ ዝሕታለ ኣእምሮ ዘጋጥሞም ቈልዑ ግቡእ ሕክምናውን ትምህርታውን ሓገዛት ከም ዝግበረሎም ዝገልጽ ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲንናድ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዙሕ ኤርትራዊ ኮነ ኢትዮጵያዊ፡ ብስደት ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ስለ ዝነብር፡ ንገዛእ ርእሱ ነቒሑን ተማሂሩን ንዓዲ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ነቲ ሕብረተሰብ ብኣዎንታ ይጸልዎ ምህላው ብምዝኽኻር፡ ከም ሕብረተሰብ ኵሉ ሰብ ክሕግዝን ከተባብዕን ከም ዝግባእ ገሊጹ።