ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ሃይማኖታዊ ጎንጺታት ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመሩ ሓቲቱ

ሓላፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ንዘጋጠሙ ሃይማኖታዊ ጎንጺታት፡ መንግስቲ ዘይሻራዊ፡ ግልጽን ዓሚቝን መርመራ ክገብረሎም ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጐ እስላምን ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትናን ብዘተወለዐ ጎንጺ ብውሑድ 30 ሰባት ምሟቶምን ኣብ ልዕሊ 100 ሰባት ኣካላዊ መጕዳእቲ ምብጽሑን ከም ዘሕዘና ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት፡ ትማሊ ኣብ ዘውጸአቶ መግለጺ ሓቢራ።

ብ18 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ጐንደር፡ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ብዝተላዕለ ጎንጺ፡ ልዕሊ 20 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 150 ከም ዝቘሰሉን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

እታ ኮምሽነር፡ እቲ ኣብ ጐንደር ዝተወለዐ ጎንጺ ኣብ ካልኦት ክልላት ናብ ዝርከባ ከተማታትን ናብ ኣዲስ ኣበባን'ውን ዝተጋፍሐ ይመስል ኢላ።

ኣብ ጐንደር ክልተ መሳጊድ ከም ዝተቓጸላን ካልኦት ክልተ ብኽፋል ከም ዝዓነዋን ሚሸል ባችለት ገሊጻ።

ድሕሪ እዚ ጎንጺ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ፡ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ስልጤ፡ ክልተ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝዀኑ ሰባት ብሓዊ ተቓጺሎም።

ካልእ ሓደ ድማ ተቐጥቂጡ ከም ዝተቐተለን ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስትያን ብሓዊ ከም ዝነደዳን እታ ኮምሽነር ኣብ መግለጺኣ ሓቢራ።

ኣብ ደባርቕ፡ ዓፋርን ድሬዳዋን እውን ተመሳሰልቲ ጸገማት ምንባሮም ጠቒሳ።

20 ሚያዝያ 2014 ዓ/ም ኣብ ከተማ ደባርቕ ክልተ መሳጊድ ከም ዝነደዳ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስልምና ክልል ኣምሓራ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ሚሸል ባችለት፡ ምኽንያት ምጥፋእ ህይወት ሰባትን ምዕናው ኣብያተ እምነትን ተሓተትቲ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ናብ ፍርዲ ምቕራብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ዝሕግዝ ስጕምቲ ከም ዝኾነ ተዛሪባ።

ምስቲ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ብውሑድ 578 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ምርካቡ ዝጠቅስ መግለጺ እታ ኮምሽነር፡ መስርሕ ፍርዲ እቶም ዝተኣሰሩ ውልቀ ሰባት ብዘይ ኣድልዎን ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን ክርአ ሓቲቱ።

ብተወሳኺ፡ ተመሳሳሊ ሃይማኖታዊ ጎንጺ ከየጋጥም ንምክልኻል፡ መንግስቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞም ማሕበረሰባትን ካብቲ መጥቃዕቲ ዘተረፉ ሰባትን ብዘሳትፍ መልክዕ ፍታሕ ክህብ ከም ዝግባእ ኣመልኪታ።

ካብቲ ኣብ ጐንደርን ካልኦት ከባቢታትን ዝተወለዐ ጎንጺ ብተወሳኺ፡ 24 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋን ሰላት [ስግደት] ዒድ ናዕቢ ተላዒሉ ዝነበረ ኮይኑ፡ ምስኡ ብዝተሓሓዝ 76 ውልቀ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተሓቢሩ ነይሩ።

ብሰንኪ እቲ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ጸጥታን ትካላት ህዝብን ጉድኣት ምብጽሑ'ውን ተገሊጹ እዩ።