ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ‘ክደፍሩኒ ምስ ፈተኑ ሰብኣየይ ንክልተ ወተሃደራት ቀቲሉ፡ ህይወቱ ኣጥፊኡ’

መግለጺ ቪድዮ, ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ‘ክደፍሩኒ ምስ ፈተኑ በዓል ቤተይ ንክልተ ወተሃደራት ቀቲሉ፡ ህይወቱ ኣጥፊኡ’
Published

ወይዘሮ ዘሃራ ዓብዱ (ስማ ተቐዪሩ እዩ)፡ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ምስ በዓልቤታ ናብ ሓደ ገጠር ሃዲማ። እንተኾነ ግና ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናብ መንበሪ ገዝኦም ክምለሱ ወሲኖም። 16 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብ መንገዲ እንከለው ብወተሃደራት ሓይልታት ትግራይ ተታሒዞም። እቶም ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ወይዘሮ ዘሃራ ጾታዊ ዓመጽ ክፍጽሙ ፈቲኖም። በዓልቤታ 'ሰበይተይ እናተደፈረት ኣይርእይን' ብምባል ንኽልተ ካብቶም ዕጡቓትን ንገዛእ ርእሱን ቀቲሉ። ወይዘሮ ዘሃራ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ በደላትን ኣብ ልዕሊኣ ከምዝተፈመ ንቢቢሲ ተዛሪባ።