ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን 14 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ድርኩኺት ጥሜት ይርከብ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, ERIC LAFFORGUE/ART IN ALL OF US
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልያን 14 ሚልዮን ህዝቢ ብሰንኪ ድርቂ ንሕሱም ጥሜት ከም ዝተቓለዐ፡ ብዙሓት ትካላት ግብረ ሰናይ ገሊጾም።
እቶም ገበርቲ ሰናይ፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ድርቂ ቅልጡፍ ምላሽ ክወሃቦ'ውን ሓቲቶም።
ብተወሳኺ ብዝሒ ንጥሜት ዝተቓለዐ ህዝቢ ልዕሊ እቲ ዝተገልጸ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም።
እዞም ልዕሊ ኣርባዓ ዝኾኑ ዘይመንግስታዊ ትካላት ግብረ ሰናይ፡ ዝኸፍአ ሓደጋ ቅድሚ ምብጽሑ ጻዕርታት ክግበር ሓቲቶም።
ዛጊድ 14 ሚልዮን ህዝቢ ንጥሜት ከም ዝተቓለዐን፡ ኣድላይ ዝበሃል ድጋፍ እንተዘይተገይሩ፡ ብዝሒ ግዳያት ናብ 20 ሚልዮን ክብ ክብል ከም ዝኽእል'ውን ኣጠንቂቖም።
እዞም ትካላት ነዚ መግለጺ ዘውጽኡ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ እቲ ድርቂ ኣመልኪቱ ጽባሕ ሰሉስ 18 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዘተ ንምግባር መደብ ምሓዞም ስዒቡ እዩ።
እቶም ብሰንኪ ደርቂ ንጥሜት ዝተቓልዑ ሚልዮናት፡ ብለበዳ ኮቪድ-19 ፣ ብጎንጽታት፣ ብኣንበጣን ኲናት ሩሲያ-ዩክሬንን ስዒቡ ዋጋ ሸቐጣት ንሂሩ ስለ ዘሎ ኩነታት ተሓላሊኹዎም ከም ዘሎ ይእመን።
ካብቶም እቲ መግለጺ ዘውጽኡ ትካላት ግበረ ሰናይ፡ ትካል መድሕን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)፣ ክርስቲያን ኤይድ፣ ዳኒሽ ሬፊዩጂ ካውንስል፣ ኖርዌጂያን ሬፊውጂ ካውንስል፣ ኦክስፋም፣ ፕላን ኢንተርናሽን ዎርልድ ቪዥን ይርከብዎም።
ካብቶም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንጥሜት ተቓሊዖም ዘለዉ 14 ሚልዮን ሰባት፡ ፍርቆም ዝኾኑ ህጻናት ኮይኖም፡ ቀልጢፉ ዝናብ እንተዘይዘኒቡ፡ ዋጋ ኣእኻልን መሰረታዊ ሸቐጣትን ኣዝዩ ክንህርን እቲ ኩነታት ክጋደደ ከም ዝኽእልን ኣተሓሳሶቦም።
ዝናብ እንተተተረኺቡ'ውን፡ ሰባት ካብቲ ኣትዮምዎ ዘለዉ ቅልውላው ንክወጽኡ ኣዋርሕ ክወስደሎም ስለ ዝኽእል ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድሊ ተገሊጹ።
ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ኣብ 2020 መወዳእታ፡ ንጥሜት ዝተቓልዑ ሰባት ቁጽሮም ናብ 20 ሚልዮን ክብ ክብል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ዝንቀሳቐሱ ግብረ ሰናይ ትካላት፡ ህይወት ናይ ምድሃን ተግባር ንምስራሕ፡ 4.4 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ሓቲቶም'ኳ እንተነበሩ፡ ዛጊድ ኣብ'ዚ እቶ ዝበሃል ድጋፍ ኣይተረኽበን ኢሎም።
ንኣብነት፡ ኣብ ሶማልያ ጥራይ፡ ንሰብኣዊ ንጥፈታት ካብ ዝተሓታተ ገንዘብ ሓሙሽተ ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዝተረኽበ ተሓቢሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

