ንምንታይ’ዩ ሓደ ኮርያዊ ዕድሚኡ ምስ ዝሕተት ሰለስተ ዝተፈላለየ መልሲ ዝህብ?

Published

"ዕድሜኻ ክንደይ'ዩ?" ተባሂልካ ምስ ትሕተት መልሲ ንኽትህብ ቀላልን ንጽርትን ሕቶ'ያ። ኣብ ደቡብ ኮርያ ግን ንሓደ ሰብ ክንደይ'ዩ ዕድሜኻ ኢልካ ምስ ትሓቶ ሓሲቡ ክምልሰልካ ግድን እዩ፡ ምኽንያቱ ኣቆጻጽራ ዕድሚኦም ካብቲ ካልእ ዓለም ፍልይ ዝበለ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኮርያ ሓደ ሰብ ትውልድ ምስ ኣበለ ሓደ ዓመቱ እዩ ዝብሃል፡ ሓዲሽ ዓመት ክመጽእ እንከሎ ኸኣ ኣብ ዕድሚኡ ሓደ ዓመት ይውሰኾ።

በዚ መሰረት ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ ዝተወለደ ህጻን፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ ሰሙን ወዲ ክልተ ዓመት ይኸውን ማለት'ዩ።

ኣብታ ዘይተወደአት ዓመት ስለዝተወለደ ወዲ ሓደ ዓመት ተባሂሉ ይጸንሕ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሓዳሽ ዓመት ምስ መጽአት ኸኣ ወዲ ክልተ ዓመት ይብሃል።

እንተኾነ ሕጂ ንፕረዚደንትንት ዝወዳደር ዘሎ ዩን ሱ ዮል ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ኮይኑ እንተተመሪጹ ነዚ ጥንታዊ ኣቖጻጽራ ዕድመ ደቡብ ኮርያውያን ክቅይሮ ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ።

ንሱ "እቲ ኮርያውያን ንነዊሕ ዓመታት ዝተጠቀምሉ ኣቆጻጽራ ዕድመ፡ ምድንጋራት ይፈጥርን ዘየድሊ ማሕበራውውን ቁጠባውን ሃልኪ የኸትልን ኣሎ" እዩ ዝብል።

ሓሳብ ናይ ዩን ሱ ዮል ንብዙሓት'ኳ ምድንጋራት ይፈጥረሎም እንተሃለወ፡ ክኢላታት ግን ኣብ ባይታ ክትግበር ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ብኣጋ የልዕሉ ኣለዉ።

ሓንቲ ሕቶ ሰለስተ መልሲ

ኣብ ኮርያ ዕድመ ውላድካ ትቆጽረሉ ሰለስተ ኣገባባት ኣሎ።

ካብ 1962 ጀሚሩ ኣብ መንግስታዊ መዝገባት፡ ዕድመ፡ ሓደ ሰብ ዝተወለደሉ ዕለት መዝጊብካ'ዩ ዝቁጸር።

እቲ ካልኣይ ኣገባብ ኸኣ ህጻናት ክውለዱ እንከለዉ ዕድሚኦም ዜሮ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዲሽ ዓመት (1 ጥሪ) ሓደ ዓመት ይውስኹ።

ኣብዚ ካልኣይ ኣገባብ ሓደ ሰብ ኣብ ታሕሳስ 2020 እንተተወሊዱ ኣብ ጥሪ 2022 ወዲ ክልተ ዓመት ይብሃል (ክልተ ዓመት ንኽመልእ ልዕሊ 11 ኣዋርሕ ተሪፍዎ እንከሎ)።

እዚ ኣገባብ እዚ መንግስቲ ወተሃደራት ንክኸትብ፡ ንሕጋዊ ነገራትን ካልእን ይጥቀመሉ'ዩ።

እቲ ሳልሳይ ኸኣ እቲ "ዕድመ ኮርያውያን" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ሓደ ህጻን ውልድ ምስ በለ ወዲ ሓደ ዓመት ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ዕለት ክንደይ ተወሊዱ ብዘየገድስ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዲሽ ዓመት ኣብ ዕድሚኡ ሓደ ዓመት ይውስኽ።

ነዚ ንምርድኡ ክቐለልና፡ ንፍሉጥ ደቡብ ኮርያዊ ድምጻዊ ኣባል ሜጋ ከይ ፖፕ ቢትኤስ፡ ታይ ህዩንግ ኣካ ቪ ንውሰድ።

ህዩንግ ኣካ ቪ 30 ታሕሳስ 1995 እዩ ተወሊዱ ስለዚ ንሱ ብመሰረት ኣቆጻጽራ ዕድመ ኮርያውያን ወዲ 28 ዓመት፡ በቲ ኩሉ ዓለም ዕድመ ትቆጽረሉ ወዲ 26 ዓመት: በቲ ካልእ ኣገባብ ኮርያውያን ዝጥቀምሉ ኸኣ ወዲ 27 ዓመት እዩ።

ዕድመ ክንብል እንከለና ንመብዛሕትና ምቁጻር ኣዋርሕ ወይ ዓመታት እዩ ኣብ ደቡብ ኮርያ ግን ኪንኡ'ዩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮርያ መምህር ስነ ቋንቋን ስነጽሑፍን ዝኾነት ኣሺን ጂ ያንግ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ኣብ ደቡብ ኮርያ ንሓደ ሰብ ዕድሚኡ ምፍላጥ፡ ነቲ ትህቦ ደረጃ ክብሪ መስፈሪ'ዩ፤ ንምንኣስካ፡ ንመዘናኻን ንምዕባይካን ትህቦ ክብርን ማዕረግን፡ ትኽተሎ ኣገባብ ኣዘራርባን ይፈላለየ'ዩ" ትብል።

እቲ ደቡብ ኮርያውያን ዝጥቀምሉ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድመ፡ መበቆሉ ኣብ ቻይናን ገለ ክፋል ኤስያን ከይኑ፡ ሕጂ ግን ደቡብ ኮርያ ጥራይ'ያ ትጥቀመሉ ዘላ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃንሱንግ ፕሮፌሰር ሕግን ፖሊሲን ዝኾነ ኪም ኡን ጂ ብወገኑ "ንደቡብ ኮርያውያን እዚ ዘሎ ዓውለማ ዝያዳ ንዕድሚኦም ከተኩርሉ ኣገዲድዎም እዩ፡ ብፍላይ እቶም ንኣሽቱ ካብ ሃገሮም ምስ ወጽኡ ዕድሚኦም ኣብ ዝሕተትሉ መልሲ ክህቡ ይሽገሩ'ዮም" ይብል።

ነቲ ላግጺ ንጸጋም ገዲፍና፡ እቲ ፖሊሲ ናይ ደቡብ ኮርያ'ውን ንዕድመ ደቡብ ኮርያውያን ብርእዮ ጸልይዎ እዩ።

ገለ ስድራ ቤታት ደቆም ኣብ ወርሒ ሕዳር ምስ ዝውለዱ፡ ደቆም ኣብ ትምህርትን ኣብ መጻኢ ህይወቶምን ዓበይቲ ክብሃሉ'ዮም ኢሎም ብምስጋእ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝኾነ መንግስታዊ መዝገብ ከየመዝገብዎም ይጸንሑ'ዮም።

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ክታበት ንልዕሊ 18 ዓመት ይውሃብ ኣብ ዝተብሃለሉ፡ ዕድመ ኩሎም ደቡብ ኮርያውያን በቲ ዓለም ዕድመ ንምቁጻር ትጥቀመሉ ኣገባብ ክስተኻኸል ካብ ብዙሓት ደቡብ ኮርያውያን ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ'ዩ።

ንባህሊ ምርሕራሕ

ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ዕድመ ንምቁጻር ከምቲ መላእ ዓለም ትኽተሎ ኣገባብ ንጠቀም ዝብል ሕቶ ሕጂ ኣይኮነን ንፈለማ ግዜ ዝቐርብ ዘሎ።

ኣብ 2019 ከምኡ'ውን 2021 ክልተ ክኢላታት ሕጊ፡ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድመ ኮርያውያን ከምቲ መላእ ዓለም ትኽተሎ ክኸውን ዝጠልብ ሕቶ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ኣቕሪቦም ነይሮም'ዮም፡ እንተኾነ ሕተኦም ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ምሁራት ከይተረፉ፡ ነቲ ደቡብ ኮርያውያን ዝኽተልዎ ኣቆጻጽራ ዕድመ፡ ይቐየርዶ ኣብ ዝብል ሕቶ 'ባህሊ'ዩ' ብምባል ኣብ ክልተ እዮም ዝገማምዑ።

ጃንግ ዮ ስውንግ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዳንኩክ ላዕለዋይ ተመራማሪ እዩ።

ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ደቡብ ኮርያውያን ዝኽተልዎ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድመ ነጸብራቕ ናይ ባህሊ'ዩ" ይብል።

ብምስዓብ "ሕብረተሰብና [ሕብረተሰብ ደቡብ ኮርያ]፡ ንሓደ ባህሉን ፍልዩነቱን ዝኾነ ባህሉ ክርሕርሖ ይደሊ ኣሎ፡ ናይ ብሓቂ ድዩ መለሳ-ኣልቦ ክኸውን ዝደሊ ዘሎ?" ብምባል ተመሊሱ ይሓትት።

እንተኾነ ብዙሓት ምሁራት ዝሰማማዕሉ ነጥቢ ኣሎ፡ እቲ ዓለም ትኽተሎ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድመ ኣብ ደቡብ ኮርያ ብወግዒ ይኹን ብዘይወግዒ እንተተራዒሙ፡ ደቡብ ኮርያውያን ነቲ ሕጂ ዝኽተልዎ ዘለዉ ኣቆጻጽራ ዕድመ ክገድፍዎ "ዘይሕሰብ'ዩ"።