እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያውያን መምሃራን ተመሃሮ 'ብመግረፍቲ ንክቐፅዑ' ፍቓድ ሓቲቶም
ብመሰረት ሕጊ ኬንያ፡ ተመሃሪ ምውቃዕ የቕፅዕ እዩ። ኬንያ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከስዕብ ዝኽእል መግረፍቲ ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ከልኪላ።
እዚ ችልድረንስ ኣክት ዝተባህለ ሕጊ ኬንያ ግን፡ ዝኾነ ዓይነት መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ከይፍጸም ይኽልክል።
ይኹን'ምበር፡ ካብ ቀረባ ግዜያት ንነዘ ገለ መምሃራን ኬንያ "ተመሃሮ ብመግረፍቲ ክንቀጽዕ ይፈቐደልና" ኢሎም ክሓቱ ጀሚሮም ኣለው።
እቶም ነዚ ሕቶ ዘቕርቡ ዘለው መምሃራን፡ ንተምሃሮ "ስርዓት ከነትሕዝ" ስለ እንደሊ ብመግረፍቲ ክንቀጽዖም ይፈቐደልና ይብሉ።
ተመሃሮ ስዲ ከይኸዱ ክንገብር ንደሊ ዝብሉ ዘለው ገለ ርእሰ መምሃራን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፡ "ህጻናት ምምሕዳር መልፍዒ'ዩ" ኢሎም።
ሓላፊ ማሕበር፡ ኣመሓደርቲ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኬንያ ካሂ ኢንዲሙሊ ከም ዝብሎ እቲ ተመሃሮ ከይግረፉ ዝኽልክል ሕጊ "መምሃራን ተመሃሮ ስርዓት ንምትሓዝ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ከይወስዱ" ከም ዝእግድ ይገልጽ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣመሓደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብዚ ሰሙን ኣኼባ ክገብሩ መደብ ኣውጺኦም ኣለው።
ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ትምህርቲ እናጎልሐ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላው ከመይ ከነዐግሶ ንኽእል ዝብል ድማ ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ ክኸውን እዩ።
ኣብ ኬንያ ኣብያተ ትምህርቲ ተቓጺሎም ዝብል ዜና ምስማዕ ሓድሽ ኣይኮነን።
መብዛሕትኡ ግዜ ሓዊ ኣንዲዶም ዝምሃርሉ ክፍሊ ናብ ሓሙኽሽቲ ዝቕይሩዎ ድማ ተመሃሮ እዮም።
ብፍላይ ኣብ ናይ ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለው ተመሃሮ 'ዝቐርበልና መግቢ ኣይተሰማምዐናን' ወይ 'መምሃራን ወጺዖምና' ኢሎም ሓዊ የልዕሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሃሮ ብዘልዓሉዎ ሓዊ ተቓጺሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ሚኒስትር ትምህርቲ ጆርጅ ማጎሃ መምሃራን ተመሃርኦም ብመግረፍቲ ክቐጽዑ ክሓስቡዎ ከም ዘይብሎም ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እንተኾነ እቲ ሚኒስትር ስነ ምግባር ምትሓዝ ዝምልከት ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክመጽእ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።
እትመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ዘቃጸለት ሓንቲ ተመሃሪት ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝነበረ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ማእሰርቲ ዓሰርተ ዓመት ተበይኑዋ'ዩ።
እዛ ጓል 18 ዓመት ተመሃሪት፡ ጓል 14 ዓመት እናሃለወት ሞይ ዝተባህለ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ትምህርቲ ኣቃጺላ ምኽንያት ሞት ዓሰርተ ተመሃሮ ኮይና እያ።