እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክርስቲያኖ ሮናልዶን በዓልቲ ቤቱ ጆርጂያና ሮድሪገዝን፡ ወዶም ከም ዝሞተ ኣፍሊጦም
ጆርጂና ሮድሪገዝን ክሪስቲያኖ ሮናልዶን ፍላይ ማንታ ወዶም ከምዝሞተ ሓፍቱ ግን ብህይወት ከምዘላ ኣፍሊጦም።
ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ክርስትያኖ ሮናልዶን መጻምድቱ ጆርጂና ሮድሪገዝን፡ "ዝዀነ ወላዲ ክስምዖ ዝኽእል ዝዓበየ ስቓይ” ከም ዘጋጠሞም ብምግላጽ፡ ውላዶም ብሞት ከም ዝተፈልየ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ዝሓለፈ ጥቅምቲ ምጥናሳ ዝሓበረት ጓል 28 ዓመት ጆርጂያና፡ ምስ በዓል ቤታ ወዲ 37 ዓመት ፖርቱጋላዊ ክርስትያኖ ሮናልዶን ማናቱ ቈልዑ ክትገላገል እያ ትጽበ ነይራ።
ካብቶም ማናቱ ዕሸላት እታ ህጻን ጓሎም ብምድሓና፡ "ነዛ ህሞት እዚኣ ብተስፋን ብሓጐስን ክንነብር ዘኽእለና ብርታዐ ሂባትና ኣላ" ክብሉ ምቕሊ ብምርካቦም ሓጐሶም ገሊጾም። ነቲ ብሞት ዝተፈልዮም ህጻን ከኣ "ፍቱው ውላድና፡ ንዓና መልኣኽ ኢኻ። ወትሩ ኸኣ ከነፍቅረካ ኢና” ኢሎም ጽሒፎም።
ክሪስትያኖን በዓልቲ ቤቱ ጆርጂናን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ውላድና ከም ዝሞተ ክንነግር ከሎና ኣዝዩ ዓሚቚ ሓዘን ይስመዓና” ክብሉ ገሊጾም።
"በዚ ዘሕዝን ተጓንፎ ኵላትና ጕሂና ኢና፣ ኣብዚ ኣመና መሪር እዋን ከኣ ብሕትውና ከም ዘድልየና ብትሕትና ንሓትት” ክብሉ፡ ካብ ሓዘኖም ንኽረጋግኡ ጽምዋ ከምዘድልዮም ሓቢሮም።
ክለብ ማን ዩናይትድ፡ "ቃንዛኹም ቃንዛና እዩ። ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ፍቕርን ብርታዐን ንምነየልኩም፡" ክትብል ምጽንናዕ ተመንያ’ላ።
ተጻዋታይ ዩናይትድ ማርኩስ ራሽፎርድ፡ " ፍቱዋት ኣሕዋተይ፡ ክርስቲያኖን ጆርጂያናን ብሓዘንኩም እጕሂ፡ ብመንፈስን ሕልናን ከኣ ተኻፋሊ ሓዘንኩም እየ" ክብል ጽሒፉ ።
ፕረዚደንትን ቦርድ ዳይረክተራትን ናይታ ቅድም ሮናልዶ ዝጻወተላ ዝነበረ ክለብ ሪያል ማድሪድ፡ "ኣዚና ኢና ንጕሂ" ድሕሪ ምባል፡ "ሪያል ማድሪድ በቲ ንዓኻትኩምን ስድራ ቤትኩምን ዘጋጠመ ሓዘን ተኻፋሊት ስቓይኩም እያ" ኢሎም።
ማንቸስተር ሲቲ፣ ሊድስ ዩናይትድን ፕሪመር ሊግን እውን ናይ ሓዘን መልእኽቲ ልኢኸን ኣለዋ።
ሮናልዶ፡ ብ2010 ዝተወልደ ክሪስቲያኖ ጁንየር ዝስሙ ወዲ ኣለዎ። ኢቫንን ማትዮን ዝተባህሉ ብ2017 ዝተወልዱ ማናቱ እውን ኣለውዎ። ካብ ሮድሪገዝ እትውለድ፡ ብ2017 እተወልደት ኣላና ማርቲና ዝስማ ጓል እውን ኣላቶ።