እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ ንናይጀርያ ዋጋ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትሸጠላ'ያ
ኣሜሪካ ንናይጀርያ 12 ታንክታት፡ ሄሊኮፕተራትን ምዕቡል ሮኬታትን ዝርከቢ ዋግ 997 ሚልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትሸጠላ ከምዝተሰማምዐት ተገሊጹ።
እቲ ኣጽዋር ናይጀርያ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ምስ ፖሊሲ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣሳንያ ንምውሓስን ንኣሜሪካ ኣጽዋር ክትሸጠላ ብወግዒ ከምዝሓተተታ ቤት ጽሕፈት ምኽልኻል ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
ኣሜሪካ፡ ናይጀርያ ነቲ ኣጽዋር ኣብ ኢዳ ከተእትዎ ጸገም ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ እንተኾነ እቲ መስርሕ ምርኽኻብ ክሳብ 5 ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ኣነጺሩ።
ኣሜሪካ ነቲ ኣጽዋር ንናይጀርያ ቅድሚ ምርካባ፡ ነቶም ነቲ ኣጽዋር ዝጥቀምሉ ናይጀርያውያን ወተሃደራት ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባትን እቲ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከየውዕልዎን ክትምህሮም ምዃና ሓቢራ።
ናይጀርያ፡ ብሕሉፍ ኣረኣእያ ዘለዎም ቦኮ ሓራምን ኣይኤስን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዘጋጥማ ዘሎ ሃገር'ያ።
ብዘይካ'ዚ ኣብታ ሃገር ዝተወደቡ ዕጡቓት ብተደጋጋሚ ተማሃሮ ዝርከብዎም ሰባት ብምጭዋይ ገንዘብ ዝሓቱ'ውን ኣለዉ።
ናይጀርያ ኣብ እዋን መሪሕነት ባራክ ኦባማ፡ ሓቲታቶ ዝነበረ ዕድጊት ኣጽዋር፡ ብሰንኪ ስግኣት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብኣሜሪካ ተቐባልነት ምስኣኑ ዝዝከር እዩ።
ኣብ 2017 ኣብ እዋን መሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ግን ናይጀርያ ካብ ኣሜሪካ 12 'ሱፐር ቱካኖ' ዝተብሃለ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ካብ ኣሜሪካ ክትገዝእ ተፈቒድዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝተረከበት ዝዝከር'ዩ።