እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዊል ስሚዝ፡ ን10 ዓመት ካብ ኦስካር ተኣጊዱ
ፍሉጥ ኣሜሪካዊ ተዋስኣይ ዊል ስሚዝ፡ ኣብ ልዕሊ ተዋዛዪ ክሪስ ሮክ ዝገበሮ ጽፍዒት፡ ካብ ኦስካር ይዅን ካልእ ጽንብላት ኣካዳሚ ን 10 ዓመታት ተኣጊዱ።
እቲ ኣካደሚ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መበል 94 ጽንብል ምዕዳል ሽልማት ኦስካር፡ "ዊል ስሚዝ ኣብ መድረኽ ደይቡ ብሰንኪ ዘርኣዮ ዘይቅቡልን ጐዳእን ባህሪ ተደዊኑ፡" ይብል።
ዊል ስሚዝ፡ ንተግባሩ ይቕረታ ብምሕታት፡ ብገዛእ ፍቓዱ ካብቲ ኣካዳሚ ለቒቝ እዩ።
ክሪስ ሮክ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንዝተላጸየ ጸጕሪ ርእሲ በዓልቲ ቤት ስሚዝ ኣልዒሉ ክዋዘ ምስ ፈተነ እዩ፡ ስሚዝ ተቘጢዑ ናብ መድረኽ ደይቡ ነቲ ተግባር ፈጺምዎ።
በዓልቲ ቤት ስሚዝ፡ ጠንቂ ምልጻይ ጸጕሪ ርእሳ፡ 'ኣሎፐሽያ' ዝተባህላ ሕማም ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ተዛሪባ ነይራ።
ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ዊል ስሚዝ፡ ኣብታ ከም ኣቦ 'ተን ፍሉጣት ተጻወትቲ ተኒስ ዝዀና ኣሕዋት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን፡ ቨኑስን ሰሬናን ዊልያምስ ኰይኑ ዝዓየየላ ፊልም "ኪንግ ሪቻርድ" ንዝተጻወቶ ተራ፡ ብሉጽ ተዋስኣይ ተባሂሉ ተሸሊሙ እዩ።
እቲ ነዚ ሽልማት ዘዳሉ ኣካዳሚ ጥበብ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳይንስን፡ ንዲሲፕሊናዊ መቕጻዕቲ ስሚዝ ኣመልኪቱ ብዓርቢ ርክብ ኣካይዱ።
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኣብ ልዕሊ ስሚዝ ተወሰነ እገዳ፡ ክብሪ ናይቶም ነቲ ጽንብል ዘድመቝ ዓየይትን ዕዱማትን ምሕላው፣ "ተኣማንነት 'ቲ ኣካዳሚ ድማ ምዕቃብ፡" ምዃኑ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ'ቲ ሃንደበታዊ ተጓንፎ 'ጽፍዒት' ብዝግባእ መጠን ኣብቲ ኣዳራሽ ከምዘይተዘርበሉ እቲ ኣካዳሚ ብምጥቃስ፡ "ዘይጽቡይ ስለዝነበረ እዩ፡" ብምባል ድማ ይቕረታ ሓቲቱ።
ብኻልእ ወገን እቲ ኣካዳሚ፡ ክሪስ ሮክ ኣብቲ ከምኡ ዝበለ ዘይንቡር ኵነታት፡ ስምዒቱ ተቘጻጺሩ ክቕጽል ንዘርኣዮ ህድኣት ኣመስጊኑ።
ዊል ስሚዝ፡ ኣብ ዝጸሓፎ መልቀቒ ደብዳበ፡ "እምነት 'ቲ ኣካዳሚ ኣጉዲለ እየ፡" ብምባል፡ ብሰንኪ ብተግባሩ ልቡ ከም ዝተሰብረ ገሊጹ ነይሩ። ብሰንኪ ዘይእሩም ተግባሩ ክስዕብ ዝኽእል ኵሉ፡ ክቕበል ምዃኑ'ውን ገሊጹ ነይሩ።
ካብ ኦሳካር ምልቃቕ ማለት፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ኦስካር መሰል ምድማጽ ኣይህልዎን ማለት እዩ። እዚ ዲሲፕሊናዊ ውሳነ ን 18 ሚያዝያ ክኸውን ተወሲኑ'ኳ እንተነበረ፡ ስሚዝ ባዕሉ ካብ ኦስካር ክለቅቕ ድሕሪ ምሕታቱ ግን ክቀላጠፍ ክኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ካብ ኦስካር ዝለቐቝ ሒደት እዮም።
ኣርባዕተ ካብኣቶም፣ ኣፍራዪ ሃርቪ ዊንስተን፣ ተዋስኣይ ቢል ኮስቢ፣ ዳይሬክተር ሮማን ፖላንስኪ ከምኡ'ውን ሲነማቶግራፈር ኣዳም ኪመል ምስ ጾታዊ ብዕልግና ብዝተኣሳሰር ዝቐረበሎም ክሲ ክኸውን እንከሎ፣ ተዋስኣይ ካርሚን ካሪደ፡ ንዕኡ ተባሂሉ ዝተዋህቦ ቪድዮ ብዘይግቡእ ኣጋባብ ብምጥቃሙ ኣብ 2004 ዝተሰጐጕ እዮም።
ኣብ ልዕሊ ዊል ስሚዝ ዝቐንዐ ዲሲፕሊናዊ መለክዒ ፡ ሓያለ ዲሲፕሊናዊ ኣማራጺታት ማለት፣ ካብ ዝስዕቡ ጽንብላት ኦስካር ምእጋድ፣ ምስራዝ ወይ ምምላስ እዚ ሕጂ ዝወሰዶ ሽልማት ዝብል ነይርዎ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ኦስካር፡ ክሳብ ሕጂ ሓደ ሽልማት ጥራይ እዩ ከም ዝምለስ ተገይሩ። ንሱ ድማ ኣብ 1969፡ ንደኩመንታሪ ፊልም "ያንግ ኣመሪካን" ንዝሰርሐ ተዋሂቡ ዝነበረ፣ ድሒሩ ግን ኣይግብኦን ተባሂሉ ዝተመልሰ እዩ።
ኣባል ቦርድ ኣካዳሚ፡ ዊፒ ጐልድበር ኣብ መወዳእታ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ 'ስሚዝ ከቢድ ሳዕቤን ክወርዶ እዩ፣ እንተዀነ፡ እቲ ሽልማት ኣይከነሕድጐን ኢና' ክብል ኣሚቱ ነይሩ።
ብዘይካ'ዚ ኣካደሚ፡ ብውሕዱ ክልተ ካብ ፍሉጣት ስቱድዮታት ፊልም ዝዀና ሶኒን ነትፍሊክስን ምስ ስሚዝ ዝነበረን ፕሮጀክት ኣዛሕቲለናኦ ኣለዋ።