ኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ትግራይ ተጻብኦታት ጠጠው ናይ ምባል ውሳነታት ንኢዶም

ሃገራት ምዕራብን ትካላት ረዲኤት ዓለምን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ንክበጽሕ ተጻብኦታት ጠጠው ንከብል ምውሳኑ ቅቡል እዩ ክብሉ ገሊጾም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሓሙስ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ "ንዘይተወሰነ" እዋን ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣዊጁ'ዩ።
"መንግስቲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ንዘይተወሰነ እዋን ዝጸንሕን ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣዊጁ ኣሎ" ኢሉ።
መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ መንግስቲ ፌደራል ትማሊ ኣብ ትግራይ ብመሰረት ዝኣወጆ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ረድኤት ብቕልጡፍ ክሓልፍ እንተኽኢሉ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ነዚ ውሳነ ስዒቡ ኣወንታዊ ምላሽ ካብ መንጎ ዝሃቡ ኣካላት፡ መንግስታት ኣመሪካ: ሕብረት ኣፍሪቃን ብሪጣንያን ይርከብዎም።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ አንቶኒ ብሊንከን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጎንጺ ጠጠው ኣቢሉ ናብቲ ክልል ረድኤት ክበጽሕን ምስ ትካላት ረድኤት ክተሓባበርን ምውሳኑ ዝንኣድ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዚ ረድኤት ንዘድልዮም ኢትዮጵያውያን ንክበጽሕ ምውሳኑ ዝተባባዕ ውሳነ ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ስጉምቲ፡ ድሕነት እታ ሃገር ክሕሎን ኩለ መዳያዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ንምጅማርን ጥጡሕ ባይረታ ከም ዝፈጥር ሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ጠጠው ክብሉን፡ ቅድሚ ሕዚ ንዝተፈጸሙ በደላትን ግፍዕን ተሓታትነት ክሰፍን ድማ ሓቲቱ።
ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት እዚ ኲናት፡ ኣድላይ ዘበለ ኩነታት ድሕነት ብምርግጋጽ፡ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንምግባር ናብ ዘኽእል ዘለቒ መገዲ ከምርሑ ጠሊቡ።
ዩናይትድ ኪንግደም ብወገና፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብምንኣድ ኣድላይ ዘበለ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ቃል ኣትያ።
ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪቃ ዩናይትድ ኪንግደም ቪኪ ፎርድ ንሰብኣዊ ረድኤት ክበሃል ዝተወስደ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ንንእድ ኢላ።
ብተመሳሳሊ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ውሳነ ኢትዮጵያ ብኣወንታ ከም ዝቕበሎ ብምግላጽ ሰብኣዊ ረድኤት ንዘድልዮም ህጹጽ ረድኤት ከም ዝገብር ኣፍሊጡ።
ሓላፊት ትካል ረድኤት መንግስቲ ኣመሪካ፡ (ዩኤስኤይድ) ሳማንታ ፓዎር ብህጹጽ ተግባራዊ ዝኸውን ጎንጺ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ብኣወንታ ኢና ንርእዮ ዝብል ርእይቶ ሂባ።
ሳማንታ፡ ኣብ ትግራይን ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ሰላማውያን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮም ኣዘኻኺራ።
ተፃብኦታት ንምቁራፅ: ብፍሉይ ልኡኽ ኣቢሉ ክፍትን ዝፀንሐ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ: ንውሳነታት ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንኢዱ::
ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት: ኣምባሳደር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ: እቲ ኲናት ብዘተ ሰላም ፍታሕ ክረክብ ዝጀመሮ ፃዕሩ ኣሐይሉ ክቕፅል ድማ: ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓማት ኣዘኻኺሩ::







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
