ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ መመረቕታ ሚሊሻ ብዝተፈንጀረ ቦንባ ውሕዱ 4 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Adami Tulu Wereda Communucation
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ከተማ ቡልቡላ: ኣብ ዝተኻየደ መመረቕታ ኣባላት ሚሊሻ ብዝተፈንጀረ ቦምባ ብውሕዱ 4 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ሓቢሮም።
ሰለስተ ካብቶም ግዳያት ሓደስቲ ምሩቓት ምልሻ ክኾኑ እንለዉ፡ እቲ ራባዓይ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ምዃኑ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣዳሚ ቱሉ ጂጆ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈጸመ ስነ-ስርዓት 200 ሓደስቲ ኣባላት ሚሊሻ ስልጠንኦም ወዲኦም ከምዝተመረቑ ኣቶ ሙሓመድ በሪሶ ጠቒሱ።
እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተዛዚሙ ተሳተፍቲ ካብቲ ቦታ ኣብ ዝፋነውሉ ዝነበሩ እዋን ግን ሃንደበት ነትጒ ከምዝተሰምዐ እቲ ብዓልመዚ ይገልጽ።
ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
"ነቲ ሓደጋ መን ከምዘንቀሎ ንምንጻር ኣካላት ጸጥታ ይሰርሑ ኣለዉ። ነቲ ሓደጋ ኣብጺሖም ብዝብል ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምጽራይ ይካየድ ኣሎ። መንቀሊኡ ንምፍላጥ ዝግበር ምርመራ ቀጺሉ ይርከብ" ኢሉ።
ነባሪ ናይቲ ከባቢ ዝኾነ ዶ/ር ገቦ ቲቬሶ ብወገኑ፡ ቤተሰብ ንምብጻሕ ናብቲ ከባቢ ከምዝኸደን፡ ነትጒ ሰሚዑ ከምዝተመለሰን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ብዙሓት በቲ ነትጒ ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ጽርግያ ክውሰዱ ከምዝተዓዘበ ብምግላጽ ድማ፡ ንሱ ባዕሉ ዝተጎድኡ ሰባት ሒዙ ናብቲ ኣብ ከተማ ባቱ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ከምዝወሰደ ተዛሪቡ።
እቲ ማእከል ጥዕና ልዕሊ ዓቕሙ ብምምልኡ ግን፡ ቁሱላት ሼር ናብ ዝተባህለ ሆስፒታል ከምኡ'ውን ናብ ሆስፒታል መቂ ከምዝተወስዱ ሓቢሩ።
ዶ/ር ገቦ ከምዝበሎ፡ በቲ መጥቃዕቲ 6 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 62 ቆሲሎም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Adami Tulu Wereda Communucation
ዝበዝሑ ካብቶም ቁሱላት ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት'ዮም ተባሂሉ።
ዝበዝሑ ካብቶም ዝቖሰሉ፡ ግቡእ ሕክምና ረኺቦም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ ኣመሓዳሪ ነይቲ ወረዳ ሓቢሩ።
"ነዚ ቦምባ ዝፈንጀረ ጸላኢ'ዩ" ዝበለ እቲ ብዓልስልጣን፡ መንነት ናይ ፈጸምቲ ንምፍላጥ መርመራ ይካየድ ኣሎ ኢሉ።
ዛጊት ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቶም ግዳያት ትማሊ ሰንበት ከምዝተፈጸመ ተፈሊጡ።
ክልላዊ መንግስቲ ብዘውጽኦ ውጥን መሰረት ዝበዝሑ ወረዳታት ክልል ኦሮሚያ ናይ ገዛእ-ርእሶም ኣባላት ሚሊሻ የሰልጥኑ ኣለዉ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
