እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
የመን፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሑቲ 80 ወተሃደራት ሱዳን ከምዝቐተሉ ገሊጾም
ኣንጻር ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ክቃለሱ ዝጸንሑ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 80 ወተሃደራትሱዳን ከም ዝቐተሉ ሓቢሮም።
ምስቲ ጉጅለ ቅርበት ዘለዋ መደበር ተለቪዢን ኣል-ማሲራ ኣብ ዝፈነወቶ ቪድዮ፡ ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ኣብ እትርከብ ከተማ ሃራድ ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ ውግእ ከም ዝተኻየደ ይገልጽ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ዝሞቱ፣ ዝቖሰሉን ዝተማረኹን ወተሃደራት ይራኣዩ።
ብዘይካ'ዚ 15 ወተሃደራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ከም ዝተቐትሉን፡ ኣስታት 500 ሱዳውያንን ስዑዳውያንን ወተሃደራትከምዝቖሰሉን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ብርክት ዝበለ ብረታትን ተተኮስትን ከም ዝመንዝዑ'ውን እቶም ዕጡቓት ገሊጾም።
ብዛዕባ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ክሳራ ግን ኣይገለጹን።
ሓይልታት ሱዳን ካብ 2015 ጀሚሩ ኣካል እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ንግዲ ብምዃን ኣብቲ ካብ 2011 ጀሚሩ ዝቐጸለ ኲናት እቲ ናብ ከተማ ዓደን ክግዕዝ ዝተገደደ መንግስቲ ይሳተፉ ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሱዳን ዝነበረ ዑመር ኣል-በሽር ነቲ ኪዳን ንምድጋፍ ኣባላት ምዱብ ሰራዊትን ብፍሉጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ (ሕመቲ) ዝምራሕ ተወርወርቲ ሓይልታትን ክሰድድ ተሰማሚዑ ነይሩ'ዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ክንደይ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ሱዳን ከም ዘለዉ ንጹር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣስታት 30,000 ምንባሮም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ስዑዲን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን መጥቃዕትታት ምፍጻሞም ስግኣት ተፈጢሩ ነይሩ'ዩ።
ኲናት የመንን ምትእትታው ስዑዲን ኢማራትን
ኣብ 2011 ብቀውዒ ሰውራ ዝፍለጥ ህዝባዊ ኣብያ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ስልጣኑ ንዓብዱ ሮቦ መንሱር ኣብ ምርኽኻብ ብዘጋጠመ ዉድቀት ፖለቲካዊ ምስግጋር ዝሰዓበ ዘይምርግጋእ ንየመን ናብ ኲናት ሸሚሙዋ።
ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ኣልቃዒዳ ዘውረዶ መጥቃዕታትን ብልሽውናን ስእነት ስራሕን ሕጽረት ምግብን እታ ሃገር ንምቅላስ ጻዕሪታት ገይሩ ነይሩ።
እንተኾነ ንዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት፡ ኣንጻር መንግስቲ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ነቲ ዝነበረ ድኽመት መንግስቲ ተጠቒሙ ወሰንቲ ዞባታት ክሕዝ ኪኢሉ።
ኣብ መስከረም 2014 ከኣ መንገድታት ብምዕጻዉ ንርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ድማ ተቖጻጺሩ፡ ኣብ ጥሪ 2015 ከኣ ንፕረዚደን ሓዲን ካቢነ ሚኒስትራቱን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩ ኣእትይዎም።
ድሕሪ ወርሒ ከኣ ፕረዚደንት ሃዲ፡ ናብ ወደባዊት ከተማ ደቡብ ዓደን ሃዲሙ። ሑቲን እሙናት ሓይልታት ጸጥታ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ነታ ሃገር ሙሉእ ንሙሉእ ብምቁጽጻር ንሃዲ ሃገር ለቒቑ ከምዝወጽእ ገይሮሞ።
ኣብ 2015 ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ልፍንታዊ ኪዳን ንፕረዚደንት ዓብዱሮቦ መንሱር ሃዲ ንምምላስን፡ ብኢራን ይድገፉ እዮም ንዝብሎም ምሊሻ ሑቲን ንምድኻምን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኸፊቶም።
እዚ ልፍንታዊ ኪዳን ካብ ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብሪጣኒያን ፈረንሳይን ንዋታዊ ሓገዝን ስለያዊ ሓበሬታን ይረክብ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኤርትራ'ውን ድሒራ ነቲ ኪደን ዘለዋ ደገፍ ብምግላጽ፡ ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ኣፍቂዳትላ እያ።