ኣስታት 44 ሽሕ ብሪጣንያውያን ንስደተኛታት ዩክረይን ኣብ ገዝኦም ከዕቁቡ ተመዝጊቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዩክሬናውያን ከዕቁቡ ንዝደልዩ ብሪጣንያውያን መንግስቲ ኣብ ዝኸፈቶ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ሰዓታት 43800 ሰባት ተመዝጊቦም፡፡
ጸሓፊ ኣባይትን ማሕበረሰብን ሚካኤል ጎቭ፡ ዩኬ ‘‘ንሓደጋ ንዝቓልዑ ሰባት ኣብ እዋን ጸገሞም ናይ ምሕጋዝ’’ ታሪኽ ከምዘለዋ ተዛሪቡ፡፡
ንሱ በቲ ናይ ቪዛ ስፖንሰርሺፕ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ብዛዕባ ዝኽእሉ በዝሒ ስደተኛታት ዩክረይን ገደብ ከምዘየለ ተዛሪቡ፡፡
ሓድሕድ ንስተደኛታት ዩክረይን ዘዕቁብ ስድራ ታክሲ ዘይክፈሎ 350 ፓውንድ ክወሃም እዩ፡፡
እቶም ዑቕባ ዝህቡ ስድራቤታት ነቶም ስደተኛታት ምግብን ካልእ ዘድሊ ቀረብን ክህብዎም ትጽቢት ዘይግበረሎም ኮይኑ እንተደልዮም ግን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም፡፡
ንስደተኛታት ዩክረይን ብውሑድ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ገዝኦም ከስፍሩ ድልየት ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ዝተዳለወ መርበብ ሓበሬታ ክምዝገቡ ይኽእሉ፡፡
ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ድማ ‘ስፖንሰር’ ክኾንዎ ንዝደልዩ ዩክረይናዊ ቪዛ ክወሃቦ ክገብሩ እዮም፡፡
ኣብ ዩኬ ቤተሰብ ወይ ዝፈልጥዎ ሰብ ዘይብሎም ሰባት እውን በዚ መደብ ክመጹ ከምዝግበር ሚካኤል ጎቭ ገሊጹ ኣሎ፡፡
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ መጠንን ቅልጣፈን ናይቲ ንስደተኛታት ዩክረይን ዝሃቦ ዝሑል ምላሽ ካብ ኣባላት ባይቶ ሓዊሱ ብብዙሓት ተነቒፉ እዩ፡፡
ድሕሪ ቭላድሚር ፑቲን ንዩክረይን ምውራሩ ኣስታት 3 ሚልዮን ዩክሬናውያን ሃገሮም ገዲፎም ተሰዲዶም ኣለዉ፡፡
ዋላኳ ኣብ ፈለማ ተጠቀምቲ እቲ ምትእንጋድ ሰደተኛታት፡ ዜጋታትን ነበርትን ዩክረይን ብዝብል ተገሊጹ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግና ዜጋታት ዩክረይንን ቅድሚ 1 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ዩኬ ናይ ዝነበሩ ሰባት ኣዝማድን ከምዝኾኑ ተገሊጹ፡፡
ብመሰረት እቲ ዕድል ዝመጹ ስደተኛታት ኣገልግሎት ሽፋን ጥዕና ዝረኽቡ ኮይኖም፡ ደቆም እውን ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡ እዮም፡፡









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
