እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩጋንዳ: ወዱ ንፕረዚደንት ሙሰቨኒ ጀነራል ካይነሩጋባ ጥሮታ ከምዘይወጸ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ
ወዱ ንፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ ካብ ሰራዊት ከም ዘይተጣየሰ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ።
እቲ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ዝኾነ ሌ/ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ካብ ሰራዊት ብጥሮታ ከም ዝወጽአ ገሊጹ ነይሩ።
ኣፈኛ ሰራዊት ዩጋንዳ፡ ብ/ጀነራል ፈሊክስ ኩላይግየ ግን፡ ወዱ ንፕረዚትን ሙሰቨኒ ዝኾነ ጀነራል ካይነሩጋባ፡ ጥሮታ ከምዝወጽእ ወግዓዊ ምልክታ ከም ዘየቕረበ ብምጥቃስ ኣብ ሰራዊት ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።
እቲ ንኣቦኡ ክትክኦ'ዩ ተባሂሉ ዝንገረሉ ጀነራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ድሕሪ ናይ 28 ዓመታት ኣገልግሎት ካብ ሰራዊት ከምዝወጸ'ዩ ኣፍሊጡ ነይሩ።
"ነቲ ዝበለጸ ሰራዊት ኣብ ዓለም ዝኾነ ዘደንቕ ሰራዊተይ ናይ 28 ዓመታት ኣገልግሎት ድሕሪ ምሃብ፡ ጥሮታ ከም ዝወጽእ ከፍልጥ ደስ እብለኒ" ኢሉ ነይሩ።
እቲ ሓበሬታ ቀልጢፉ ኣብ ማሕበራዊ ድሕሪ ምልብዑ ግን፡ ምስ ዓርኩ ዝኾነ ጋዜጠኛ ኣንድሪው ምወንዳ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ድሕሪ 8 ዓመት ጥሮታ ከም ዝወጽእ ገሊጹ'ሎ።
እቲ ፈለማ ዝወጸ ናይ ጥሮታ ሓበሬታ ብተሓጋገዝቲ ናይቲ ጀነራል ዝተፈጸመ ጌጋ ምዃኑ'ውን እቲ ጋዜጠኛ ጠቒሱ።
ብዙሓት ዩጋንዳውያን ግን፡ ዋላ'ኳ ነቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ሓበሬታ ክእርሞ እንተፈተነ፡ ነቲ ንልዕሊ 36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኣቦኡ ክትክእ ካብ ወተሃደራዊ መዝነቱ ወሪዱ ከምዘሎ'ዮም ዝኣምኑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዘለዎ ደገፍ ዝገለጸ ጀነራል ካይነሩጋባ፡ ኣዘራራቢ ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሕ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ፑቲን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ'ዩ ዘሎ" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።
ሕብረት ኣውሮጳ መግለጺ ናይቲ ጀነራል "ዘይቅቡል'ዩ" ብምግላጽ፡ ዩጋንዳ ብወግዒ ንሩስያ ዘለዋ ደገፍ ምግላጻ ብንጹር ዘይጠቐሶ ሳዕቤን ክገጥማ ምዃኑ እቲ ሕብረት ኣጠንቂቑ ነይሩ።