'ኣብ ኤርትራ ምዕፋን ድምጽታት ተቓውሞ ቀጺሉ ኣሎ' - ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, MP
ቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክዝትይ እንከሎ ዝተርኣየ ምምሕያሽ ከምዘየለ ሓቢሩ።
ፍሉይ ራፖርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ፡ ሞሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር፡ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ "ኣብ'ታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ምምሕያሽ ምህላዉ ዘርኢ ምልክት ኣይረኸብናን" ኢሉ።
"ኣብ ልዕሊ ድምጽታት ተቓውሞ ዝካየድ ስርዓታዊ ዓፈናታት ቀጺሎም ኣለዉ። መንግስቲ ናጽነት ምዝራብ፣ ሓሳብካ ምግላጽ፣ ምውዳብ ከምኡ'ውን ናጽነት ሃይማኖት ምድራቱ ስለዘየቖመ፡ ሲቪካውን ዲሞክራስያውን ሃዋህው ምስተዓጽወ ይርከብ" ኢሉ።
ካብ 1998 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ኣሎ ዝበሎ፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድማ፡ ኣስገዳድ ናይ ጉልበት ስራሕ ዘካትት ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ሓደ 'ምንጪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት' ኮይኑ ከምዝቐጸለ እቲ ፍሉይ ራፖርተር ወሲኹ ኣዘኻኺሩ።
ኤርትራ፡ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ኣብቲ መድረኽ ብወኪላ ኣቢላ 'ዝንቡዕ ድምዳመታት' ብዝብል ዝነጸገቶ ኮይና፡ "እቲ ጸበጻብ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዘየመዛዘነ" ክትብል ተቓዊማቶ።
እቲ ወኪል ኤርትራ ወሲኹ፡ "ካብ ደገ ዝመጽአ ዘሎ ምትንኳያት ብምጽዋር፡ ኣብቲ ዞባ ምንጪ ምርግጋእ ንምዃን ትሰርሕ ኣላ" ምስበለ፡ እቲ ጸብጻብ ነቲ ብመደብን ትልምን ይስረሓሉ ኣሎ ዝበሎ፡ ምምሕያሽ ብድሆታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዘይምጽርሑ ነቒፉ።
ኤርትራ ብኣታሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰፊሕ ወቐሳታት ክቐርበላ እኳ እንተጸንሐ፡ መንግስቲ ነቶም ነቐፌታት ክነጽጎም ጸኒሑ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ ከምዘይትፈልጥን፡ ብዙሕት ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም ከምዝርከቡን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዜጋታት ክትፈትሕ፣ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ምምሕያሻት ክትግበር፣ ዘይሻራዊ ኣካል ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣትዩ ንከጻሪ ክትፈቅድ መንግስቲ ኤርትራ ምሕጽንታ ቀሪቡሉ። ምስ'ቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ክተሓባበር'ውን ተሓቲቱ።
ብሰንኪ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓመታዊ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ መናእሰይ'ታ ሃገር ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምህዳም ቀጺሎም ከምዘለዉ ዘመልከተ ጸብጻብ እቲ ፍሉይ ራፖርተር፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተስፋፈሐን ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዕን ጸበባበን ከምዘሻቐሎ ጠቒሱ።
"ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ እቲ ፍሉይ ራፖርተር ካብ ገለ ተባዓት ኤርትራውያን ዝሰምዖ፡ ከም ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፣ መጭወይቲ፣ ስቅያት፣ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትን ካብ ባሕሪ ምምላስን ዝኣመሰሉ ግፍዕታት ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ።
"ከምኡ'ውን፡ ኣብቶም ጎንጽታት ዝካየደሎም ክልላት ዓፋርን ትግራይን ዝርከቡ ክሳብ 80 ሽሕ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ዘለውሉ ኩነታት ኣዝዩ ዘደንጹ ሓበሬታ ይመጸና ኣሎ" ይብል እቲ ጸብጻብ።
ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ኩነታቶም ኣዝዩ ዘስግእ ከምዝኾነ ወሲኹ ገሊጹ።
ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር፡ ኤርትራን ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ከምዝኽሰሱ ብምጥቃስ ኩሎም ወገናት ሰብኣዊ መሰላትን ሕጋጋትን ከኽብሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ክስታት ክነጽጎ እኳ እንተጸንሐ፤ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ገለ ትካላት ደሕነት ኤርትራን በቲ ገዛኢ ወድብ ዝውነኑ ትካላት ንግድን እገዳ ኣንቢራ እያ።
ኤርትራ፡ ንካልኣይ ግዜ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኮይና ምምራጻ ዝዝከር እዩ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
