ናይጄሪያ፡ ኪንግስሌይ ኦቢክው ስድርኡ ንምሕጋዝ ኣውቶብስ ይዝውር ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ኦሎምፒክ ንሃገሩ ናይጄሪያ ወርቂ ሜዳሊያ ዘምጽአ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ ኪንግስሌይ ኦቢክው፡ ስድርኡ ንምሕጋዝ መራሒ ኣውቶብስ ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ናይጄሪያ ከተማ ኢኑጉ ብድሕሪ ጎማ ኣውቶብስ ዝተራእየ ወዲ 47 ዓመት ኦቢክው፡ ዛንትኡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ።
በዚ ምኽንያት ካፒቴን ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ናይጄሪያ ኣሕመድ ሙሳ ንዕኡ ንምሕጋዝ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ልኢኹሉ።
ኦቢክው፡ መንእሰይ እናሃለወ ትምህርቱ ብዘይምውድኡ ዕድላት ክሰእን ከም ዝገበሮ ይዛረብ።
"ብ2004 ካብ ኩዕሶ እግሪ ምስ ወጻእኹን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ናይ ኣሰልጣንነት ስልጠና ወዲአ ምስ ወዳእኹን፡ ብ2008 ናብ ናይጄሪያ ተመሊሰ፥። እንተኾነ ዋላ ሓንቲ ጋንታ ፕሪሚየር ሊግ ክትቕበለኒ ኣይክኣለትን፤ ብሰፊሑ ከም ኣሰልጣኒ ኣይንፈልጠኻን ተባሂለ" ኢሉ።
ሓደ ዓርኩ ኣብ መባእታዊ ኣካማዲ ኩዕሶ እግሪ ከሰልጥን ስራሕ ሂቡዎ እኳ እንተነበረ ካብኡ ንድሓር ቀዋሚ ስራሕ ከም ዘይረኸበ ገሊጹ።
"ንሓደ ጀማሪ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ እናሰልጠንኩ 120 ዶላር እየ ዝረክብ፤ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኸዱ ኣርባዕተ ደቀይ ሓዊሱ ስድራ ኣለውኒ። እቲ ዝረኽቦ ድማ እኹል ኣይኮነን። ኢደይ ዓጺፈ ካብ ምምራር ክኣ ሰሪሐ ስድራይ ንምሕጋዝ መራሒ ኣውቶብስ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክኸውን ወሲነ" ይብል።
ካፒቴን ኣሕመድ ሙሳ ንዝገበረሉ ሓገዝ ብምምስጋን "ኣፒቴን ሱፐር ኤግልስ ሙሳን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዘለው ናይጄሪያውያንን ኣብዚ ሰዓት ክሕግዙኒ ምምጽኦም ንዓይ ክብሪ'ዩ" ኢሉ።
ሙሳ፡ ቖልዓ እናሃለወ መግቢ ንምርካብ ከመይ ይጽገም ከም ዝነበረ ብምግላጽ ጸገም ኦቢክው ከም ዝርድኦ ንቢቢሲ ገሊጹ።
መናእሰያት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ድማ ጥሮታ ቅድሚ ምውጽኦም ንሐዋሩ ዝጠቕሞም ነገር ጌና ተጻወትቲ እናሃለው ከወፍሩ ምዒዱ።
"መናእሰያት ካብቶም ነባራት ተጻወትቲ ዘለውሉ ኩነታት ክመሃሩ ኣለዎም፤ ዓበይቲ መካይን፣ ሕንቁቕ ህይወት፣ ናይ ቅዲ ክዳውንቲ ኩሉ ረስዑዎ። ህይወት ጥሮታ ምስ ወጻእኻ እዩ ዝጅምር" ኢሉ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
