ሩስያ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ መደብር ዶቼ ቬለ ምዕጻዋ ንጀርመን ኣቖጢዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ኣብ መስኮ ዝርከብ ዓለም ለኸ መደብር ቴሌቪዥን ዶቼ ቬለ ምዕጻዋ፡ ጀርመንን ሕብረት ኣውሮጳን ኮኒኖም።
ሰራሕተኛታት ዶቼ ቬለ ናይ ፕሬስ ፈቓድ ዝተሓድጉ ኾይኖም፡ እቲ መደብር ቴሌቪዥን ኣብታ ሃገር ሓበሬታ ከይዝርጋሕ ተኸልኪሉ።
ሚኒሰተር ባህሊ ጀርመን ነቲ ስጉምቲ፡ “ብዝኾነ መልክዑ ተቐባልነት የብሉን” ክብል ኮኒንዎ።
ቅድም ኢሉ፡ ተቖጻጸርቲ መራኸቢ ብዙሃን ጀርመን ብናይ ቀደም ስሙ ሩሲያ ቱዴይ (ኣርቲ) ናይ ሰርቢያ ፈቓድ ይጥቀም እዩ ብዝብል ዝዓጸው ኾይኖም፡ ሩስያ ነዚ ዓጸፋ ምላሽ ምዃኑ እያ ትካታዕ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ማሪያ ዛካሮቫ፡ ንክልቲአን ሃገራት ዘተዓርቕ ዝበለቶ ሓሳብ ብዓርቢ ዘቕረበት ኾይና፡ “ጀርመን ነቲ ኩነታት ክተሰተኻኽል እንተ ፈቲና ሩስያ’ውን ብወገና ዘይተዕርየሉ ምኽንያት የለን” ክትብል ተናጊራ።
ኣርቲ ብቋንቋታት እንግሊዝኛ፣ ፈረንሳይኛን ብስፓኒሽን መደብራት ዝኸፈተ ኾይኑ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ ብቋንቋ ጀርመንኛ፡ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍልጦ ወጻኢ ካብ ሰርቢያ ፍቓድ ቻነል ወሲዱ እናተጠቐመ ይርከብ ነይሩ።
ኣርቲ ንሩሲያ መሳርሒ ፕሮፓጋንዳ ኮይኑ ዘገልግል እንትኸውን፡ በዓልመዚ ወሃቢ ፍቓድ ጀርመን [ዛክ] እቲ መደብር ጣብያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ፈቓድ የብሉን ኢሉ እዩ ኣጊድዎ።
በዚ ምኽንያት እቲ መደብር ቴሌቪዥን ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ካብ ሳተለይት ኔትወርክ ኣውሮጳ ክእለ ተገይሩ እዩ።
ኣርቲ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መደብሩ ጸገም ኣጋጢምዎ እዩ። ተቖጻጸሪ ኣፍኮም ዩናይትድ ኪንግደም “ኣድልዎ ሰሪሑ” ብዝብል ናይ 200 ሺሕ ፓውንድ መቕጻዕቲ በይንሉ እዩ።
መን እንታይ ኢሉ?
ዋና ዳይሬክተር ዶቼ ቬለ ፒተር ሊምበርግ፡ ሩሲያ ነቲ ቤት ጽሕፈት እቲ መደብር ንምዕጻው ምውሳና ደረቱ ዝሓለፈ ስጉምቲ እዩ ኢለዎ።
“እዚ ድማ መንግስቲ ሩሲያ ንነጻነት ፕሬስ ከመዘየኽብር መርአያ እዩ” ኢሉ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዶቼ ቬለ ኣብ ሞስኮ፡ ቢሮጁሪ ሬሼቶ፡ ብዓርቢ ካብ ንጎሆ ጀሚሩ እቲ ቤት ጽሕፈት ክዕጾ እዩ ዝብል ዘረባ ከምዘሰንበዶ ገሊጹ፡ “ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕጋውን ቴክኒካውን ሕቶታት ኣለዉ፡ ፍቓድና ከምዝተመልሰ ጥራይ ኢና ንፈልጥ” ድማ ኢሉ።
ካልኦት መራኸቢ ብዙሓን ድማ ንዶቼ ቬለ ድጋፎም ዘስምዑ ኾይኖም፡ ፌዴሬሽን ጋዜጠኛታት ጀርመን ብወገኑ፡ እቲ እገዳ ብህጹጽ ክለዓል ሓቲቱ ኣሎ።
ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ንዶቼ ቬለ ‘ወኪል ሃገራት ወጻኢ’ ብዝብል ክብይን ዝጀመረ ኾይኑ፡ ከም ልማድ እዚ ኣጠቓቕማ ኣብ ሶቭየት ሰልፍታት ተቓውሞ ንምዕፋን ዝጥቀምሉ መይላ ኣገላልጻ ከምዝኾነ ይንገር።
ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ሰበ ስልጣን ሩስያ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣባሪሮም፤ ትካላት ሚድያ’ውን ዓጽዮም ኣለዉ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ሩሲያ፡ ኣንድሬ ዛካሮቭ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት “ወኪል ወጻኢ” ተባሂሉ ዝተበየነ ኾይኑ፡ ካልእ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሳራ ራይንስፎርድን ሆላንዳዊ ጋዜጠኛ ቶም ቬኒንክን ድማ ካብታ ሃገር ምብራሮም ዝዝከር እዩ።
'ሜሞሪያል' (መዘከርታ) ብዝብል ዝፍለጥ፡ ሓደ ካብ ጥንታዊ ማሕበራት ሰቪክ መሰላት ሩስያ ድማ ተዓጽዩ ኣሎ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
