ሞሮኮ፡ 32 ሜትሮ ዕምቆት ናብ ዘለዎ ዒላ ዝኣተወ ቆልዓ ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ

Published

ኣብ ሞሮኮ ብሰሉስ ናብ 32 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ጉድኣድ ኣትዩ ዝተቐርቀረ ቆልዓ 5 ዓመት ንምውጻእ ዝግበር ዘሎ ሰፊሕ ጻዕሪ ከምዝቐጸለ ተሓቢሩ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር ከምዝገለጽዎ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ቸፍቻወዬን ዝተብሃለት ከተና ናብ ዝርከብ ጸቢብ ግን ድማ ዕምቆት ዘለዎ ጉድጓድ ዝኣተወ ህጻን ንምውጻእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ናብ ምዝዛም ገጹ በጺሑ’ሎ።

ወዲ 5 ዓመት ራያን ኣብቲ ከባቢ ይጻወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብቲ ጉድጓድ ከምዝኣተወ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ናብቲ ኣዝዩ ጸቢብ መእተዊ ዘለዎ ጉድጓድ ንዝኣተወ ህጻን ራያን ንምውጻእ ዝግብር ጻዕሪታት ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ምሸት ዝጀመረ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ዓርቢ ቀጺሉ ይርከብ።

ወሃቢ ቓል መንግስቲ እታ ሃገር ሙስጠፋ ባይታስ “ነቲ ህጻን ናይ ምድሓን ስራሕና ናብ ምዝዛም ገጽ በጺሑ’ሎ። ቀልብና ኩሉ ምስ ስድራ እቲ ቆልዓ እዩ። ተመሊሱ ከምዝራኸቦም ኢና ጸሎት ንገብር ዘለና” ክብል ትማሊ ሓሙስ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ጉድጓድ መዓልታት ዘቑጸረ ቆልዓ ብዘይካ’ቲ ክወድቕ ከሎ ኣብ ርእሱ ዘጋጠሞ ቀሊል ማህሰይቲ፡ ብህይወቱን ምስ ውኒኡን ከምዝርከብ ናብ ታሕቲ ብዝተልኣኸ ካሜራ ዝተቐድሐ ቪድዮ ኣረጋጊጹ’ሎ።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ናይ ‘ኦክስጅን ማስክ’፣ ምግብን ማይን ናብቲ ቆልዓ ዝለኣኹሉ ኮይኖም፡ ሰብሞያ ጥዕና’ውን ኣብቲ ቦታ ኮይኖም ይጽበዩ ምህላዎም ተፈሊጡ። ምስወጸአ ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ንኽበጽሕ ድማ ሄሊኮፕተር ተዳልያ ኣላ።

እቲ ህጻን ኣብ ውሽጢ 32 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ጉድጓድ ኮይኑ ዝገብሮ ምንቅስቓስን ዝርከበሉ ኩነታትን ዘርእይ ቪድዮ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይቀባበልሉ ኣለዉ። ካልኦት ብዙሓት’ውን ብኣካል ናብቲ ቦታ ከይዶም ይከታተልዎ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ሰባት ናብቲ ጉድጓድ ብምእታው ነቲ ቆልዓ ከድሕንዎ ዝተገበረ ፈተነ ክሰምር ዘይከኣለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ስፍሓቱ 25 ሴንቲሜትር ጥራሕ ብምዃኑ ስለዝጸበበ’ዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ቦታ ዝርከባ ቡልዶዘራት ኣብ ጎኒ እቲ ጉድጓድ ክኹዕታ ዝረኣያ ኮይነን፤ ዛጊት 24 ሜትሮ ተፋሒሩ’ሎ። ዝተወሰነ ሜትሮታት ከምዝተረፎም ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኣብ ጎኒ እቲ ህጻን ዝርከበሉ ጉድጓድ ካልእ ጉድጓድ ብምፍሓር ዝግበር ዘሎ ጻዕሪታት ምድሓን ነብሲ ምናልባት እውን ምፍራስ ሓመድ ከጋጥም ስለዝኽእል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ህጻን ክስዕብ ዝኽእል ጉድኣት ከይህልው ስግኣቶም ዝገለጹ ሰበስልጣን’ውን ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን እቲ ጉዳይ ኣብቲ ዞባ ዓብዪ ቆላሕታ ዝረኸበ ኮይኑ፤ ጎረቤት ኣብ ዝኾነት ኣልጀሪያ ሓዊሱ ‘ሃሽታግ ሴቭ ራያን’ [#SaveRayan] ዝብል ወፍሪ ማሕበራዊ መራኸብታት ብስፍሓት ተዘርጊሑ ይርከብ።