'ወይዘሪት ኣሜሪካ' ኣብ 30 ዓመታ ሞይታ ተረኺባ

ወይዘሪት ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ተዓዋቲት ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ኣሜሪካ ቸስሊ ክሪስት ሞይታ ከምዝተረኸበት ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣሰናዳኢትን ኣቕራቢትን ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራም፣ ጠበቓን ተዓዋቲት ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ኣሜሪካ - 2019 ዝነበረትን ቸስሊ ክሪስት ኣብ መበል 30 ዓመታ ከምዝሞተት ቤተሰባ ኣረጋጊጾም።

ክሪስት ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንጉሆ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሞይታ ከምዝተረኸበት እዩ ፖሊስ ገሊጹ።

እታ ቅድሚ 3 ዓመታት ኣብ ዝተዳለወ ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ኣሜሪካ፡ ብዘይፍትሓዊ ውሳነ ንዝተኣሰሩ ሰባት ጠበቓ ብምዃን ተገልግል ከምዝነበረት ይዝረብ።

“ኣብ ስንባደን ከቢድ ሓዘንን ኮይንና እታ ፍትውቲ ቸስሊ ከምዝሞተት ክነፍልጠኩም ንደልይ” ኢሎም ቤተሰባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ።

“እቲ ድሙቕ ብርሃና ብጽባቐኣን ጥንካረኣን ኣቢላ ንኻልኦት ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ተነቓቕሕ ነይራ” ይብል እቲ መግለጺ።

ቸስሊ ከም ጠበቓ ፣ ተዓዋቲት ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ኣሜሪካ፣ ከም ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራም ኣቕራቢት፣ ከም ሓንቲ ፍልጥቲ ሰብን ናይ መዘናግዒ መደብ ኣቕራቢትን “ብፍቕሪ ተመሊኣ ንኻልኦት ክተገልግል እትውፈ ነይራ” ኢሎም ቤተሰባ ኣብ መግለጺኦም።

ቸስሊ ክሪስት ብሰንበት ንጉሆ ኣብ ገዝኣ ሞይታ ከምዝተረኸበት ዘፍለጠ ፖሊስ ኒውዮርክ፡ ኩነታት ኣማውትኣ ድማ ርእሰ-ቕትለት (ዓርሰ-ቅትለት) ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ቅድሚ ምሟታ ኣብ ዝነበረ ናይ ሓጺር ጊዜ ኣፈላላይ፡ ስእላ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኢንስታግራም ብምጥቃዕ “እዛ መዓልቲ ዕረፍትን ሰላምን ተምጽኣልኩም” ኢላ ጽሒፋ ነይራ።

እቲ ካብ 2019 ጀሚራ ትሰርሓሉ ዝነበረት ‘ኤክስትራ’ ብዝብል ዝፍለጥ ናይ ቴሌቪዥን ፈነወ “ናይ ምድላውና ድምቀት ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣብ ቤተሰብ ኤክስትራ ኣዝያ ተፈታዊትን ምስኩሉ ሰራሕተኛ እትመሓዞን ነይራ” ክብል ገሊጽዋ’ሎ።

ክሪስት ኣብ 2019 ተዓዋቲት ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ [ሚስ ዩ ኤስ ኤ] ክትኸውን ከላ፡ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ኣብ ሰለስተ ውድድራት ጽባቐ ኣመሪካ ጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ናብ ዓወት ዝበቕዓሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ዩ።

ንሳ ወይዘሪት ኣሜሪካ ኣብ ዝተበሃለትሉ ዓመተ 2019፡ ኒያ ፍራንክሊን ‘ሚስ ኣመሪካ’ ኮይና። ካሊግ ጋሪስ ድማ ‘ሚስ ቲን ዩኤስ ኤ’ ክትኸውን በቒዓ።

ቅድሚ ሕልፈተ ህይወታ ኣብ ዝነበሩ እዋናት ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ትዛረብ ዝነበረት ክሪስት፡ ናብ ናይ ምምኻር ኣገልግሎታት ከይዳ ከምዝተረብሐት’ውን ትገልጽ ምንባራ ተሓቢሩ።