ዩክሬይን፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ብዙሕ ሰራዊት ክተዋፍር ሃቂና

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡

ምንጪ ስእሊ, ANDREW Parsons/ no 10

Published

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ዝዓሰለ ወጥሪ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝደለየት ዩኬ ቁጽሪ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝተዋፈረ ሰራዊታ ብዕጽፊ ንምዕባይ ሃቂና።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ምልኣኽ ተወሰኽቲ ሰራዊት ‘‘ንክረምሊን ግልጺ መልእኽቲ እዩ’’ ኢሉ፡፡

ሓለፍቲ ምክልኻልን ጉዳያት ወጻእን እታ ሃገር እቲ ወጥሪ ንምዝሓል ምስ ሩስያውያን መዘናታቶም ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ሞስኮ ንምርኻብ መደብ ሒዞም ኣለዉ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን እውን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብቴሌፎን ከዘራርቦ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ምብጻሕ ዘካይድ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዩኬ ‘‘ንነገር ጻሕታራይነት ሩስያ ኣይትጻወርን ‘ኩሉሻብ እውን ኣብ ጎኒ ኣባላት ኔቶ መሓዙትና ደው ክንብል ኢና’’ ኢሉ፡፡

ብተወሳኺ ‘‘ ፕረዚደንት ፑቲን መንገዲ ምፍሳስ ደምን ዕንወትን እንተመሪጹ፡ ንኣውሮጳ ዘሐዝን ፍጻመ ክኸውን እዩ፡፡ ዩክረይን መጻኢኣ ክትውስን ናጻ ክትግደፍ ኣለዋ፡፡

‘‘ንኣባላት ኔቶ መሓዙትና ብመሬት፣ ባሕርን ሰማይን ከምእንሕግዞም ንምርግጋጽ፡ ሰራዊትና ናብ ኣወሮጳ ንምውፋር ክዳለዉ ኣዚዘዮም ኣለኹ’’ ኢሉ፡፡

ኣስታት 100 ሽሕ ወታሃደራት፣ ታንክታት፣ ከበድቲ ኣጽዋርን ሚሳኤላትን ናብ ዶብ ዩክረይን ዘጸገዐት ሩስያ፡ ነታ ኣባል ፌዴሬሽን ሩስያ ዝነበረትን ንሩስያን ኣውሮጳን እተዋስንን ዩክረይን ናይ ምውራር መደብ ከምዘይብላ ትገልጽ፡፡

ዩኬ ኣብ ኢስቶንያ 900፣ ኣብ ዩክረይን ልዕሊ 100 ፣ ኣብ ፖላንድ ድማ ኣሰታት 150 ወታሃደራት ኣለዉዋ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩኬ ኣብ ናይ ጽባሕ ኣኼባ ባይቶ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተሪር ማዕቀብ ከንብር ትጽቢት ይግበር፡፡

ብተመሳሳሊ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣብ ብራስለስ ተረኺቦም ብዛዕባ ዩኬ ክተቕርቦ ዝሓሰበት ወታሃደራዊ ሓገዝ ነቶም ወታሃደራዊ ኣማራጺ ዝምግሙ ሚኒስተራት ከፍልጡዎም እዮም፡፡

ዩክረይን ኣባል ኔቶ ኣይኮነትን፤ ሩስያ ድማ ብስግኣት ድሕነት ምዕራባውያን ነታ ሃገር ኣባል ኔቶ ከምዘይገብሩዋ ቃል ክኣትዉ ትድሊ፡፡

30 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቖፈ ኔቶ፡ ኣመሪካን እንግሊዝን ሓዊሱ ኣባላት ሶብየት ሕብረት ዝነበራን ምስ ሩስያ ዝዋሰናን ላቲቭያ፣ ሉቲንያን ኢስቶንያን የጠቓልል፡፡

ኣባላት ኔቶ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ አንትፍጸመን ሓድሕደን ናይ ምትሕግጋዝ ኪዳን ኣለወን፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሩስያ፡ ዩክረይን ኣባል እቲ ኪዳን ከይትኸውን፣ ኔቶ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዘካይዶ ወታሃደራዊ ንጥፈታት ደው ከብልን ናብ ዘዋስናኣ ሃገራት ሚሳኤላት ከየቕርብን ዝብል ጠለባት ኣቕሪባ ነይራ፡፡