እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“ዶክተር እየ፡ ንልዕሊ 5 ዓመታት ግን ኣካላተይ ተሓጺበ ኣይፈልጥን”
ዶክተር ጀምስ ሃምብሊን ይባሃል። ወዲ 37 ዓመት ኮይኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ያሌ ኢንስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ፕሮፌሰር’ዩ። ኣብ ምክልኻል ሕማማት’ውን ተወሳኺ ዲግሪ ኣለዎ።
እዚ ዶክተር እሞ ድማ በዓል ሞያ ሕክምና ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ነይሩ ኣካላቱ ምሕጻብ ዘቋረጸ።
“ትለምድዮ ኢኺ፤ ዝኸብድ ኣይኮነን፤ ብዙሕ ኣየጸግምን” ክብል ነታ ቃለ-መሕትት ዝገበረትሉ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ብዛዕባ ኩነታቱ ገሊጹላ።
ዶክተር ጀምስ ጎኒ ንጎኒ ምስቲ ቀንዲ ስርሑ፡ ኣብቲ ኣብ ኣሜሪካ ፍሉጥ ዝኾነ መጽሔት ኣትላንቲክ’ውን ጽሑፋት ብምልኣኽ ዝሳተፍ ዓምደኛ’ዩ። “
ኣብ 2016 ንዝጸሓፎ ጽሑፍ “ኣካላተይ ምሕጻብ ደው ኣቢለ ኣለኹ” ዝብል ርእሲ ሂብዎ ነይሩ።
“ሙሉእ ዕድመና ኣካላትና እናተሓጸብና ዘባኸንናዮ ገንዘብን ማይን ዘሕዝን’ዩ” ክብል ድማ ኣብ መእተዊ ጽሑፉ ሓሳቡ ኣስፊሩ’ሎ።
ኣብ 2020 ኣቆጻጽር ኣውሮጳ ሓደ መጽሓፍ ናብ ሕትመት ዘብቅዐ ዶክተር ጀምስ፡ ትሕዝቶ መጽሓፉ ንሰባት ዘገረመ ነይሩ። “ሓድሽ ሜላ ሓለዋ ጽርየት ቆርበት” ኣብ ዝብል ዛዕባ ዘድሃበ መጽሓፍ’ዩ ናብ ሕትመት ኣብቂዑ።
ንሱ ንባዕሉ ኣካላቱ ዘይተሓጸበ ብዛዕባ ጽርየት ዝዛረብ መጽሓፍ ምጽሓፉ ዘገርም ክኸውን ይኽእል ይኸውን። እቲ ጉዳይ ግን ከምዚ ዝስዕብ’ዩ።
ዋላ’ኳ ኣእዳውና ብሳሙና ደጋጊምና ክንሕጽብን ስንና ኣብ መዓልቲ ክልተ ጊዜ ብራሽ ምግባርን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እንተገለጸ፤ ካልኦት ክፋላት ኣካልና ግን መዓልታዊ እናፈግፈግና ንነብስና ክነሳቕይ የብልናን ይብል።
ዶክተር ጀምስ ፈለማ ክፍትኖ ብዝብል ነይሩ ሰብነቱ ምሕጻብ ዘቋረጾ። ብድሕሪኡ ግን ነቲ ውሳንኡ ቀጺልሉ።
“ሓደ ሰብ ኣካላቱ እንተዘይተሓጺቡ እንታይ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ክፈልጥ ደልየ። ብቐጻሊ ዘይኮነስ ሓሓሊፉ ጥራሕ ኣካላቶም ዝሕጸቡ ሰባት እፈልጥ ነይሩ። ግን ድማ ባዕለይ ክፍትኖ ደልየ” ክብል የረድእ።
ኣብ 2015 ኣካላቱ ምሕጻብ ደው ምሰበለ እንታይ ተፈጠረ?
“ካብዚ ክግንዘቦ ዝኸኣልኩ ነገር ዋላ’ውን ሰብነትና መዓልታዊ ምሕጻብ ደው እንተበልና ንዝተወሰኑ መዓልታት ዝረሳሕና ኮይኑ ክስመዓና ይኽእል እምበር እናጸንሐ ምስከደ ግን ዝፈጥሮ ዝኸነ ዓይነት ጨና ኣይህልውን። ብኸይዲ ጊዜ እቲ ጨና እናጠፍአ’ዩ ዝመጽእ” ይብል።
ብዙሓት ሰባት ጸጉሪ ርእሶም ኣብ ዝሕጸቡሉ እዋን ሻምፑ ከምዝጠቀሙ ዝሓበረ ዶክተር ጀምስ “ብድሕሪኡ ኮንዲሽነር ይውስኹሉ። ግን ከኣ ነዞም ነገራት ምጥቃም ደው እንተነብል ጸጉርና ተፈጥሮኣዊ መልክዑ ዓቂቡ ክጸንሕ ይኽእል’ዩ” ክብል የረድእ።
እዚ ኣካላትካ ናይ ዘይምሕጻብ ከይዲ ብሓደ ጊዜ ወሲንካ ጠቕሊልካ ዝግደፍ ከምዘይኮነ ዝሕብር እቲ ዶክተር ቀስ ብቐስ ክልመድ ከምዝግባእ ይምዕድ።
ንሱ’ውን ከምኡ እናገበረ ከምዝለመዶ’ዩ ዝዛረብ። ፈለማ ሳሙና፣ ካብኡ ሻምፑን ዲዩደራንት (ጥዑም ጨና ሰብነት ንኽህልዉ ዝሕግዝ ፈሳሲ ወይ ቅብኣት) ምጥቃም እናነከየ መጺኡ። ብድሕሪኡ ሰብነቱ ኣብ መዓልቲ ክልተ ጊዜ ካብ ምሕጻብ ናብ ሓደ ጊዜ፤ ካብኡ ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ ጊዜ እናበለ ጠቕሊሉ ናብ ዘይምሕጻብ በጺሑ።
“ኣካላተይ ምሕጻብ ክናፍቕ ዝጀመርኩሉ እዋን ከምዝነበረ ክሕስወኩም ኣይደልን። ‘ተሓጸብ ተሓጸብ’ ዝብል ስምዒት ኣጸጊሙኒ ይፈልጥ’ዩ” ይብል ዶክተር ጀምስ።
ጨና ሰብነትን ጉዳይ ባክቴሪያን
እዚ ኣሜሪካዊ ፕሮፌሰር ከምዝብሎ፡ ሰብነትና ምቾት ዘይህብ ጨና ዝፈጥር ብሰንኪ እቶም ኣብ ሰብነትና ዝርከቡ ባክቴሪያታት’ዩ። እቶም ባክቴሪያታት ድማ ንረሃጽናን ካብ ሰብነትና ዝምንጩ ተፈጥሮኣዊ ናይ ቆርበትና ቅብኣት እዮም ዝምገቡ።
ሰብነትና ጽሩይ ክኸውን ብምሕሳብ መዓልታዊ ሳሙና እናተጠቐምና ክንጥከም ከለና ከኣ እቲ ተፈይሮኣዊ ናይ ቆርበትና ቅብኣት ይጉዳእ። ካብዚ ብዝነቅል እቶም ባክቴሪያታት ይርበሹ።
ብቐጻሊ ሰብነትና ክንሕጸብ ከለና ነቲ ተፈጥሮኣዊ ዑደት ከምኡ’ውን ንናይ ቆርበት፣ ቅብኣት ሰብነት፣ ረሃጽን ባክቴሪያታትን ስርዓት ከምእነዛብዕ እቲ ዶክተር የረድእ።
ነንሽዑ ብዝተሓጸብና ቁጽሪ እቶም ባክቴሪያታት ድማ ብቕልጡፍ ክራብሑ ይጅምሩ። እዚ ኩነታት ድማ ነቶም ጽቡቕ ዘይኮነ ጨና ሰብነት ዝፈጥሩ ኣዝዮም ደቐቕቲ ነገራት መጠኖም ክበዝሑ ብምግባር ብቕልጡፍ ሕማቕ ጨና ክፍጠር ይገብር።
ሰለዝኾነ ድማ ሓደ ሰብ ጠቕሊሉ ሰብነቱ ምሕጻብ ደው ከብል ከሎ ነቲ ዝተገለጸ ኩነታት ስለዝኣልዮ ሰብነቱ ሕማቕ ዝኾነ ጨና ምውጻእ ከምዘቋርጽ’ዩ ዶክተር ጀምስ ዝዛረብ።
“ሰብነትና ዘይምሕጻብና ልክዕ ከምቲ ጥዑም ጨና (ሽቶ) ዝተቐባእና ክገብረና ኣይክእልን። ብጣዕሚ ክንረስሕ እውን ኣይገብረናን። ግን ከኣ ሰብ ሰብ ኢና ንጨንው፤ ከምቲ ተፈጥሮና” ይብል እቲ ዶክተር።
ጨና ሰብነት ዶክተር ጀምስ?
ንብዓሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ነብሱ ከይተሓጸበ ኣብ ዝጸንሓሎም እዋናት ካብ ሰባት ብዛዕባ ጨና ሰብነቱ ሓሳብ ቀሪቡሉ’ዶ ይኸውን ብዝብል ተሓቲቱ ነይሩ።
“ኩሎም መሓዙተይ፤ ዝቐርቦም ሰባትን ንዝኣምኖምን ኩሎም ነቲ ሓቂ ክነግሩኒ ሓቲተዮም ነይረ። ዋላ ሓደ ሰብ ‘ዝርብሽ ጨና ኣለካ’ ዝበለኒ የለን” ክብል ድማ መልሲ ሂቡ። በዓልቲ ገዘኡ’ውን ነቲ ምሕጻብ ካብ ዘቋረጸሉ እዋን ንደሓር ዘሎ መዓዛ ሰብነቱ ከምእትፈትወሉ ይዛረብ።
ዶክተር ጀምስ እቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ዕዳጋ ዘለዉ ጽባቐ ቆርበት ንምዕቃብን ጽርየት ሰብነት ንምሕላውን ብዝብል ዝፈርዩ ፍርያት ከምዘሻቕልዎ’ዩ ዝገልጽ።
“ሳይንስ ካብ ዕዳጋ ክፍለይ ኣለዎ” ብምባል፡ እቲ ዕዳጋ ንምርካብ ዝግበር ምውዕዋዓት (ምልላይ) ፍርያት ነቲ ሳይንሳዊ ሓቅታት ይዕብልሎ ምህላዉ ይኣምን።
“ብዙሓት ሰባት ብመዋዓውዒ ተደፋፊኦም መፈተኒ ሳሙናን ሻምፑታትን እናኾኑ እዮም” ዝብል እቲ ዶክተር፡ ነቶም ፍርያት እንጥቀሞም ነቲ ሳይንስ ተረዲእና ዘይኮነስ ብመዋዓውዒታት ተደፋፊእና ከምዝኾንና የረደእ። እዚ ኩነታት ከኣ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ይዛይድ ምህላዉ ወሲኹ ሓቢሩ።
“ቅድሚ 100 ዓመት መብዛሕቲኦም ሰባት ማይ ቡምቧ ኣይነበሮምን። ናብ ሩባ እናወረድካ ምሕጻብ ልሙድ እንተነበረ’ውን እዚ ግን መዓልታዊ ዝግበር ኣይኮነን። ኣብቲ ሽዑ እዋን ብብዝሒ ዝፈርዩ ሳሙናታት ኣይነበሩን። ብተፈጥሮ ንዝረኸብናዮ ነገር ክንጥቀም ኢና ጸኒሕና” ክብል ታሪኽ ብምጥቃስ ንሓሳቡ ከረድእ ይፍትን።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ልክዕ ከምቲ ሎሚ ብስፍሓት ዝረኣዩ ጸገማት ጥዕና ቆርበት ከምዘይነበሩ ብምግላጽ ድማ ምናልባት ሎሚ ሕማማት ቆርበት ክበዝሑ ዝኸኣሉሉ ምኽንያት ካብቶም እንጠቀሞም ፍርያት ዝነቐለ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።
“ኣብ ቆርበትና ዘለዉ ባክተሪያታት ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዘለዉ ነዓና ኣገደስቲ እዮም። እዞም ባክቴሪያታት ግን ጎዳእቲ ከምዝኾኑ እዩ ተነጊሩና። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ እዩ ዘሎ። መብዛሕቲኦም ብክቴሪያታት ሕማማት ዘምጽኡ ኣይኮኑነን ክውገዱ’ውን የብሎምን” ይብል ዶክተር ጀምስ።
“መዓልታዊ ንብስኻ ምሕጻብን ምፍታግን ብሕክምና’ውን ዝድገፍ ኣይኮነን። ኣነ ሰባት ነብሶም ምሕጻብ ደው ከብሉ ኣይኮንኩን ዝደፋፍእ ዘለኹ። ግን ከኣ ብፍላይ ጸገም ጥዕና ቆርበት ዘለዎም ሰባት ብቐጻሊ ነብሶም ዘይምሕጻብ እንተፈተንዎ ውጽኢታ ክሪኡሉ ይኽእሉ እዮም” ይብል።