እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ የመን ኣማኢቲ ትሕተ ዕድመ ወተሃደራት ሞይቶም - ጉጅለ መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት
ኣብ 2020: ብዕጡቓት ሑቲ ንውትህድርና ዝተመልመሉ 1500 ትሕቲ-ዕድመ ቆልዑ፡ ኣብ ውግእ ከምዝሞቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ካልኦት ኣማኢቲ ድማ ዓመተ 2021 ከምዝሞቱ ወሲኹ ሓቢሩ።
መርማሪ ጉጅለ ሰብ-ሞያ፡ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ፡ እቲ ብረት ኣልዒሉ ንመንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ሑቲ፡ ብመገዲ መስጊድን መዓስክራትን ኣቢሎም ኣተሓሳስበኦም ንምስራጽ ዝፍትኑ ኾይኖም፤ ሕዚ'ውን ሓደሽቲ ህጸናት ኣብ ምምልማል ይርከቡ ኢሎም።
ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ'ውን ሓቢሮም።
በቲ ኣብ 2015 ዝተወለዐ ኲናት፡ ዛጊድ ልዕሊ 10 ሽሕ ቆልዑ ሞይቶም ተባሂሉ።
ከምኡ'ውን ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ ብሰንኪ እቲ ኲናት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን፡ ሚልዮናት ድማ ተመዛቢሎም ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብቲ በዓል 300 ገጽ ጸብጻብ፡ ጉጅለ እቶም መርመርቲ፡ ብሑቲ ዝተመልመሉን ኣብ'ቲ ናይ 2020 ውግእ ዝሞቱን ዝርዝር ናይ 1406 ቆልዑ ዝረኸበ ኾይኑ ካልኦት 562 ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2021 [ኣቆጻጽራ ኣውⶂጳ] ከምዝሞቱ ኣረጋጊጸ ኢሉ።
ኤፒ ነቲ ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ መርመርቲ ጠቒሱ ከምዝበሎ፤ እቶም ህጻናት ዕጡቓት 'ሞት ንኣመሪካ'፣ 'ሞት ንእስራኤል'፣ 'መዓት ንኣይሁድ' ከምኡ'ውን 'ዓወት ንእስላም' ኢሎም ክጭርሑ ይገብሩ ነይሮም።
"ኣብ ሓደ መዓስክር ስደተኛታት ሸውዓተ ዓመት ዕድሚኡ ህጻን ከይተረፈ ኣጽዋራትን ሮኬታትን ከፈትሕን ከጽርን ይስልጥን ነይሩ"።
እቲ ጉጅለ፡ ኩሎም ወገናት ቤት ትምህርቲ፣ መስጊድን መዓስክራትን ተጠቂሞም ህጻናት ንውትህድርና ካብ ምምልማል ክቑጠቡ ተማሕጺኖም።
እቶም ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ዝተቖጻጸሩ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ፡ ካብቲ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተነብሮም ማዕቀብ ተሓቢኦም ኣጽዋራት ንምርካብ ዓለመለኸ ሰንሰለት ከምዝተጠቕሙ ድማ ኣብሪሁ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኢሚራት ዓረብ መጥቃዕቲ ድሮን ካብ ዝፍጽሙ ንደሓር ውግእ ተጋዲዱ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ 21 ጥሪ ድማ፤ ኣብ ሓደ ኣብ ቀንዲ ግዝኣት ሑቲ ዝርክብ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጸመ ማጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 70 ሰባት ዝሞቱ ኾይኖም፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን እቲ ተጻብኦታት ከብቅዕ ይጠልቡ ኣለዉ።