ምብጻሕ ሓያሎ ላዕለዎት ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ እንታይ ዝዓለመ’ዩ?

ላዕለዎት ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, UN Eritrea

Published

መንግስቲ ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ሓድሽ ናይ ምትሕብባር መቓን ስራሕ (framework) ንምጅማር ብምውሳኖም ዞባዊ ዳይሬክተራት ሕቡራት ሃገራት ናብታ ሃገር ምብጻሕ ንምፍጻም ከምዝኣተው ተገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "24 ላዕለዎት ዞባውያን ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝኣባላቱ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ኣትዩ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ጉጅለ ብዳይሬክተር ቤትጽሕፈት ምውህሃድ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ዞባ ኣፍሪቃ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ዞባውያን ወከልቲ ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮምሽን ንኣፍሪቃ፣ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ዕጸ-ፋርስን ገበናት ስግረ-ዶብን፣ ዩ-ኤን-ኤፍ-ፒ-ኤ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከምኡ'ውን ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ከምዝርከብዎም እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ንሓሙሽተ መዓልትታት ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ምዃኑ ዝተገለጸ ልኡኽ ኣብቲ ብ25 ጥሪ ዝካየድ ብመንግስቲ ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ዝተወደበ ወግዓዊ ጽምብል ምጅማር ሓድሽ 'መቓን ስራሕ ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት' ክሳተፍ እዩ።

እቲ ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ዝተገለጸ ምትሕብባር ኣብታ ሃገር ቀዳምነት ምስ ዝወሃቦም ጉዳያት ዝሳነን ኣብ ኤርትራ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ምዃኑን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ልኡኽ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ከምዝራኸብን ኣብ ዞባ ደቡብ ብመንግስቲ፡ ብሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽትን ንዝተኻየዱ ልምዓታዊ ንጥፈታት'ውን ክዕዘብ እዩ።

ነቲ ልኡኽ ዝመረሕ ዘሎ ዞባዊ ዳይሬክተር ቤትጽሕፈት ምውህሃድ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃ፡ ያቆብ ኤል ሂሎ፡ ብሕብረት ዝግበር ጻዕርታት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ምስ ኤርትራ ዝግበር ሽርክናን ንኣጀንዳ 2030 ከምኡውን ሸቶታት ዘላቒ ልምዓትን ንምዕዋት ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላጹ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኤርትራ ኣብ መዳይ ጥዕናን ኣብ ሸቶታት ልምዓት ሚለንየም ንዘመዝገቦ ዓወት ኣብ ኣጀንዳ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት 2030 ንምድጋሙ ኣንቂዳ ምህላዋ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይሬክተር ፖሊሲን ውጠናን ኣቶ ተወልደ ዮውሃንስ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምግላጹ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ ሓበሬታ የረድእ።

ላዕለዎት ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ 1991 ኣብ 100 ሽሕ ኣዴታት ዘጋጥም መጠን ሞት ካብ 1000 ናብ 485 ክጎድል እንከሎ፤ መጠን ሞት ዕሸላት ካብ 117 ናብ 44 ጎዲሉ ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ 95% ነፍሰጾር ኣዴታት ሕክምናዊ ክትትል ከምዝገብራን ሸፈነ ክታበታት ኣብ መላእ እታ ሃገር 94% በጺሑ ምህላው እቲ ሚኒስትሪ የረድእ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሓያሎ ካልኦት መዳያት ልምዓትን ቁጠባን እታ ሃገር ብዙሕ ከምዘይተዓወተት ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ።

ብዙሓት ነቐፍቲ መንግስቲ'ውን፡ መንግስቲ ግሉጽነት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ነቲ ተዓዊተሉ ዝብሎ መዳያት ክኣምንዎ ከምዘጸግሞም ይገልጹ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ድኹም ስርዓተ-ባንክ፡ ብኩራት ስሩዕን ግሉጽን ስርዓተ-ባጀት፡ ፖለቲካዊ ተሓታትነት ዘይምህላውን፡ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእን ካብ ቀንዲ ረቛሒታት ምድኻም ቁጠባውን ማሕበራውን ሂወት ዜጋታት ምዃኑ ኪኢላታት ክምጉቱ ጸኒሐም'ዮም።

ዘላቒ ሸቶታት ሕቡራት ሃገራት እንታይ እዩ?

ኣብ 2015 ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዙርያ ዓለም ድኽንት ንምውጋድ፡ ፕላኔት መሬት ንምክንኻንን ብልጽግና ንኹሉሰብ ንምርግጋጽን ዝዓለሙ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ወጢኑ።

ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ኣብ ዙርያ ዓለም ድኽነት ንምውጋድ፣ ንኣከባብን ክሊማን መሬት ንምዕቃብ ከምኡ'ውን ሰባት ኣብ ዝሃለው ሃልዮም ሰላምን ብልጽግናን ከም ዘስተማቕሩ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ዓለማዊ ጻውዒት እዩ።

እቶም 17 ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንፕላኔት መሬት ንምክንኻን ክሰርሓ ዝድርኽ 169 ዒላማታት ዘለዎም እዮም።

እቶም 17 ሸቶታት፦ ድኽነት ምውጋድ፣ ጥምየት ምጥፋእ፣ ጽቡቕ ጥዕናን ድሕነት፣ ብቑዕ ትምህርቲ፣ ጾታዊ ማዕርነት፣ ጽሩይ ማይን ጽሬትን፣ ንምኽፋሉ ዚከኣልን ጽሩይን ጸዓት፣ ቅቡል ስራሕን ቁጠባዊ ዕብየትን፣ ኢንዱስትሪ፡ ምህዞን ትሕተቕርጽን፣ ዘይማዕርነት ምቕናስ፣ ዘለቕቲ ከተማታትን ማሕበረሰባትን፣ ሓላፍነታዊ ተጠቃምነትን ፍርያትን፣ ክሊማዊ ንጥፈት፣ ትሕተ ማያዊ ህይወት፣ ኣብ ንቑጽ መሬት ዝርከብ ህይወት፣ ሰላም፡ ፍትሕን ሓያላት ትካላትን ከምኡ'ውን ነቲ ሸቶታት ንምዕዋት ሽርክነት ምድንፋዕን ዝብሉ እዮም።

ኤርትራ ኣብ መዳይ ጥዕና፡ ጽሩይ ጸዓት፣ ክሊማዊ ንጥፈት ከምኡ'ውን ቅቡል ስራሕን ቁጠባዊ ዕብየትን ምምሕያሻት ተርኢኳ እንተላ፤ ኣብ መዳይ ጽፈቱ ዝሓለወ ትምህርቲ፣ ዘለቕቲ ከተማታትን ማሕበረሰባትን ኣብ ንቑጽ መሬት ዝርከብ ህይወት ተንቆልቁል ከምዘላን ጸብጻባት ይገልጹ።