ሚያንማር: ካብ መዝነታ ዝተዓለወት ኣንግ ሳን ሱቺ ንተወሳኺ 4 ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ

Published

ቤት-ፍርዲ ሚያንማር፡ እታ ካብ መዝነታ ዝተዓለወት መራሒት ኣንግ ሳን ሱቺ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት ክትእሰር በይኑ።

ንሳ፡ ዘይሕጋዊ ንብረት ብምውናን፣ ብዘይሕጋዊ መገዲ መሳርሕታት ራድዮን ድሕንነትን ካብ ወፃኢ ሃገር ብምእታውን መምርሕታት ኮቪድ-19 ብምጥሓስን ተኸሲሳ፡ ገበነኛ ተባሂላ ተፈሪዳ ኔራ።

ፈለማ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ዝተፈረደት ኣንግ ሳን ሱቺ፡ ድሕሪኡ ፍርዳ ብኽልተ ዓመት ተነክዩላ'ዩ።

ኣብታ ሃገር ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ዝካየድ ንነዘ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ትርከብ ኣንግ ሳን ሱቺ፡ ብደርዘን ዝቑፀሩ ክስታት ዝቐረቡላ እንትኾኑ፡ ንሳ ግና ንኹሎም ክስታት ከምዘይወዓለቶም ብምግላፅ ትነጽጎም።

እቶም ክስታት ዘይፍትሓዊ'ዮም ተባሂሎም፡ ብሰፊሑ ተኾኒኖም'ዮም።

እዞም ናይ ሎሚ ሰኑይ ክስታት፡ ብጀነራል ኣንግ ኽላንግ ዝምርሑ ሓይልታት፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዘካየድሉ መዓልቲ፡ ወተሃደራት ንመንበሪ ገዛ ኣንግ ሳን ሱቺ ብምፍታሽ ነቶም መሳርሕታት ከምዝረኸቡ ምስዝገለፅዎ ጉዳይ ዝዛመድ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ኒፒዶው ዝወዓለ መጋባእያ ብዕፁው ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ጠበቓታት ኣንግ ሳን ሱቺ ንመራኸቢ ሓፋሽን ህዝብን መልእኽቲ ከየመሓላልፉ ተኸልኪሎም።

እዚ ናይ ሎሚ ብይን፡ ኣንግ ሳን ሱቺ ብጠቕላላ ንሽድሽተ ዓመት ክትእሰር ዝገብር'ዩ።

ተሸላሚት ኖቤል ሰላም ኣንግ ሳን ሱቺ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ተቓውሞ ብምንዕዓብን መምርሕታት ኮቪድ-19 ብምጥሓስን ገበነኛ ኾይና ተረኺባ'ያ።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ንውሳነ እቲ ቤት-ፍርዲ "ስኑዕ ፍርዲ" ብምባል ተቓዊማቶ ነይራ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ብወገኑ ንሕጋዊ ስርዓት ኣተኣላልያ እቲ ቤት-ፍርዲ፡ "ሚስጥራውን ሓቂ ዘይብሉ ክስታት ዝቐርበሉን፡ ኣንግ ሳን ሱቺ ንሓዋሩ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክትፀንሕ ዝገብርን'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ኤሽያ ዳይሬክተር ሂዩማን ራይት ዎች ፊል ሮበርት ሰን ብወገኑ፡ "ጉጅለታት ብዘይስሩዕ ዝኣዘዝዎን ብፖለቲካ ዝተደረኸ ምህሙን ክሲ ዝቐርበሉን" ብምባል፡ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ኣን ሳን ሱቺ ብናይ ሓሶት መርትዖ ገበነኛ ኮይና ንኽትርከብ ይገብር ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ሚያንማር ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረፃ ብኣንግ ሳን ሱ ቺ ዝድገፍ ውድብ ሃገራዊ ሕብረት ንዲሞክራሲ (NLD) ብዓብላልነት ምዕዋቱ ስዒቡ'ዩ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየደ።

ሰራዊት እታ ሃገር፡ ኣብቲ ዓወት ምትላል ድምፂ መረፃ ከምዝነበረ'ዩ ዝገልፅ፤ ዘይሻራውያን ተዓዘብቲ ግና እቲ መረፃ ናፃን ፍትሓውን ከምዝነበረ ይገልፁ።

እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ሰፋሕቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ዘስዓበ እንትኾን፡ ሰራዊት ሚያንማር ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝኾኑ ሰልፈኛታት፣ ነጠፍትን ጋዜጠኛታትን ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ይግለፅ።

ኣንግ ሳን ሱቺ ካብ ሞንጎ እቶም ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ንነዘ በቲ ብሓይሊ ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዝተኣሰሩ፡ ልዕሊ 10 ሽሕን 600 ሰባት ሓንቲ እያ።

ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ኣብ ዝተፈጠረ ናዕቢ ብውሑዱ 1,303 ሰባት ከምዝተቐተሉ ይግለፅ።

ኣንግ ሳን ሱቺ፡ በቶም ዝቐረቡላ ኩሎም ክስታት ገበነኛ ኮይና እንተድኣ ተረኺባ፡ ዕድመ ይፍታሕ ክትፍረድ ትኽእል'ያ።