ኣብ ፓኪስታን ብሰንኪ ከቢድ ውርጪ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም

Published
ኣብ ሰሜናዊ ፓኪስታን ብከቢድ ውርጪ ኣብ መኪንኦም እንከለዉ ዝተትሓዙ መራሕቲ መካይን ሞይቶም።
ዛጊድ ብውሕዱ 21 ሰባት ከምዝሞቱ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ዝተዓጸዉ ጽርግያታት ንምጽራግን ኣብታ ገደላዊት ከተማ ሙሪ ክሳብ ሕጂ ተቐርቂሮም ዘለዉ ሰባት ንምድሓንን ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ።
ሚኒሰትሪ ድሕነት ውሽጢ ሃገር ሸኽ ራሽድ: ኣስታት ሓደ ሽሕ መካይን ኣብቲ ዓቢይ ጽርጊያ ተቐርቂረን ከምዘለዋ ኣፍሊጡ።
ሙሪ ካብ ርእሰ ከተማ ኢስላማባድ ንሸነኽ ሰሜን እትርከብ ኣብ ከረን ዝተደኮነት ናይ ምዝንጋዕ ከተማ እያ።።
በጻሕቲ ዓዲ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ውርጪ ከምዝተዓገቱ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ኣቃሊሔን።
ነቲ ልሙድ ዘይኮነ ውርጪ ዝሓዘለ ዝናብ ንምርኣይ ልዕሊ 100 ሽሕ መካይን ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ናብ ከተማ ሙሪ ከምዝኣተዋ ይግለጽ።
ኣብ ምእታውን ምውጻእን እታ ከተማ ናይ መካይን ምጭንናቕ ከምዝተርኣየ ፖሊስ ንኤኤፍፒ ገሊጹ።
እቲ ከባቢ ኣብዚ ሕጂ እዋን “ሓደገኛ ቦታ” ብዝብል ከምዝተሰየመ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ፖሊስ ወረዳ ፑንጃብ: ሰባት ንገዛእ ርእሶም ካብቲ ከባቢ ከርሕቑ ኣጠንቂቑ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
