ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኮምቦልቻ ተቛሪፁ ዝነበረ በረራ ከምዝጅምር ተገሊፁ

ነፋሪት መገዲ ኣየር የኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Airlines facebook

Published

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኮምቦልቻ/ደሴ ተቛሪፁ ዝነበረ በረራ ኣየር፡ ካብ 27 ታሕሳስ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር ካብቲ ዝተፀርሐ ዕለት ጀሚሩ፡ በብመዓልቱ በረራታት ከምዝህልዉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓቢሩ።

ከተማታት ደቡብ ወሎ ዝኾና ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ምውዓለን ስዒቡ’ዩ፡ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ኮምቦልቻ ዝገብሮን ንኽልቲአን ከተማታት ዘገልግል በረራታት ከቋርጽ ተገዲዱ ጸኒሑ።

እቲ መገዲ ኣየር ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኮምቦልቻ ዝገብሮ መዓልታዊ በረራ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ኣቋሪፁ ኔሩ።

ካብ ኮምቦልቻ ብተወሳኺ ናብ ከተማ ላሊበላ ንኣዋርሕ ኣቋሪፅዎ ዝነበረ በረራ’ውን ካብ ትማሊ ሰኑይ 15 ታሕሳስ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ በረራ ከምዝጀመረ ገሊፁ።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝነበራ ከተማታት መብራህቲ፣ ኣገልግሎት ማይን ስልክን ተቛሪፁ ከምዝነበረ ዝዝረብ እንትኾን፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነተን ከተማታት ምስ ተቖፃፀሩ እቶም ኣገልግሎታት ከምዝተመለሱ ነበርቲ ይገልፁ።

እቶም ነበርቲ፡ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ክልላት ኣምሓራ ተቛሪፆም ዝነበሩ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ባንክን፡ ኣብ ገለ ከባብታት ድማ መጓዓዝያ ከምዝተመለሱ ሓቢሮም።

ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ኣብያተ ትምህርትን’ውን ከምዝተኸፈቱ ተገሊፁ።

ብሰንኪ ኵናትን ገደብ መጓዓዝያን ወሲኹ ዝነበረ ዋጋ ቀረብ ሃለኽቲ ሸቐጣት’ውን ብውሱን መልክዑ ከምዝነከየ ነበርቲ ተዛሪቦም።

እንተኾነ፡ ሕዚ’ውን ኣብ ከተማ ሰቖጣን ከባቢኡን ዝበሉ ገለ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ከምዘየለ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።

ብሰንኪ እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑፂሩ ዘሎ ኵናት ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ማይ፣ ስልክን ባንክን ተቛሪፆም፡ ትግራይ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 6 ነጥቢ 3 ሚልየን ህዝቢ ድማ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ተገሊፁ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ተወሊዑ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ንነዘ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ደማዊ ኵናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሂወት ኣሽሓት በሊዑ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ፣ ጠንቂ መጠነ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ናይ ስትራቴጂ ለውጥን ምትዕርራያት ቦታን ከም ዝገበሩ ብምግላፅ ከምዝሰሓቡ ምግላፆም ይዝከር። መንግስቲ ግን ተደፊኦም ከምዝወጹ እዩ ዝገልጽ።

ኣብቲ ኵናት ኩሎም ሓይልታት ገበናት ኵናት ክኾኑ ዝኽእሉ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ከምዝፈፀሙ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኣሜሪካ ሓዊሱ ማሕበረሰብ ዓለም እዚ ኵናት ብሰላማዊ መገዲ ከብቅዕ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ይገብሩ’ኳ እንተለዉ፡ ዛጊድ ፍረ ኣየፍረየን።