እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ናብ ኤርትራ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ዋንግ ዪ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ምዃኑ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዛሆው ሊዢያን ሓቢሩ።
እቲ ላዕለዋይ ቻይናዊ ብዓል ስልጣን፡ ካብ ጽባሕ ሰሉስ 4 ጥሪ ጀሚሩ ክሳብ 7 ጥሪ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሕ ምዃኑ እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ሚኒስትሪ ዝወጸ መግለጺ የነጽር።
"ነቲ ኣብ ነፍሲወከፍ ሓድሽ ዓመት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝገብርዎ ልሙድ ናይ ኣፍሪቃ ዑደት ብምቕጻል፡ ኣማኻሪ መንግስትን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዋንግ ኡዪ፡ ብዝቐረበሉ ዕድመ መሰረት ካብ ካብ 4 ክሳብ 7 2022 ጥሪ ናብ ኤርትራ፡ ኬንያን ኮሞሮስን ክበጽሕ እዩ" ክብል እቲ ኣፈኛ ኣፍሊጡ።
ብወገን ኤርትራ ግን ብዛዕባ ምብጻሕ ናይቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ቻይና ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ዛጊት የለን።
ቻይናን ኤርትራን ካብ ነዊሕ ዝጀመረ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ዝምድና ከምዘለወን ይፍለጥ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ህንጻ፡ ዕደና፡ ጥዕናን ትምህርትን ዝበሉ መዳያት ክተሓጋገዛ ከምዝጸንሓ ይግለጽ። ኩባንያታት ህንጻ ቻይና ካብ ፈለማ ናጽነት ጀሚረን ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ኤርትራ ይሳተፋ ነይረን'የን።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ፡ ሓያሎ ኩባንያት ዕደና ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዕደና ዳህሳሳት ይኹን ምውጻእ ማዕድናት ኢድ ከምዘለወን ይንገር።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2021 ኤርትራን ቻይናን ነቲ ብ'በልት & ሮድ' (Belt and Road) ዝፍለጥ ናይ ቻይና ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ ዝምልከት ሰነድ ምርድዳእ ፈሪመን።
እቲ ንዓለም ብመሬትን ባሕርን ከራኽብ ትጽቢት ዝግበረሉ ተበግሶ፡ "ንክልቲአን ሃገራትን ህዝብታትን፡ ከምኡ'ውን ንማሕበረሰብ ቻይና-ኣፍሪቃ ዘርብሕ'ዩ" ክብል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ ብትዊተር ገሊጹ።
ነቲ ስምምዕ፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ክፍርሞ እንከሎ፡ ብወገን ቻይና ድማ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ ካይ ገ ክታሙ ከምዘንበረሉ እቲ ኤምባሲ ጠቒሱ።
ኣብ እዋን ገድሊ ኤርትራ ንናጽነት፡ ከም ናይ ሕጂ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝዓረፈ ሮሞዳን መሓመድኑር ዝበሉ ሓያሎ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ቻይና ፖለቲካውን ወተሃደራዊን ስልጠና ይወሃቦም ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 2021፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣምባሳደር ቻይና ካይ ገ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር እገዳ ከምዘይትድግፍ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰበስልጣንን ትካላት ጸጥታ መንግስትን፡ ከምኡ'ውን ገዛኢ ውድብ ህግደፍን ትካላቱን እገዳታት ኣንቢረን ምንባረን ይዝከር።
ኣብ ፈለማ ጥሪ 2007፡ ናይቲ እዋን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝነበረ ሊ ዝሃውሺንግ ናብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ብምክያድ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተረኺቡን፡ ምስ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ናይ ቁጠባውን ናይ ቴክኖሎጂን ስምምዕ ፈሪሙን ምንባሩ ሰነዳት ይምስክሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ ናይዚ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ናብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ በጺሑ ነይሩ።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ምብጻሕ ነቲ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ሓያል ጸቕጢ ዘጋጥሞ ዝነበረ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ዘሐይል ምንባሩ ይግለጽ።
ቻይና፡ ምስ ኵናት ትግራይ ብዝዛመድ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ብወግዒ ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምስ ቻይና እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቁጠባዊ ዝምድና መስሪተን ምህላወን ጸብጻባት የረድኡ።