ናይ ጸጉሪ መትሓዚ ስፒሎ ብገዛ ዝቐየረት ሰበይቲ

መግለጺ ቪድዮ, ናይ ጸጉሪ መትሓዚ ስፒሎ ብገዛ ዝቐየረት ሰበይቲ
Published

ደሚ ስኪፐር ኣብ እዋን ለበዳ ንዝገጠማ ብድሆ ናብ ረብሕኣ ቀዪራቶ። “ምስ መሓዙተይ ክራኸብ ይወጽእ ኣይነበርኩን፤ ስለዚ ንገዛእ ርእሰይ ሓደ ብድሆ ኣዳልየ” ትብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ። ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ፈረቓን - 28 ንግዳዊ ልውውጣት ብምክያድ ብመትሐዚ ጸጉሪ ስፒሎ ተበሰጊሳ ዋና ገዛ ክትከውን በቒዓ። ንሳ 5 ሚልዮን ንዝኾኑ ናይ ቲክቶክ ሰዓብታ በቲ መስርሕ መሲጣቶም እያ።