እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል 5,000 ኣዕዋፍ ብኢንፍሉዌንዛ ድሕሪ ምማቶም ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ትጽዕር ምህላዋ ተገሊጹ
ኣብ እስራኤል ተኸሲቱ ንዘሎ ምልባዕ ኢንፍሉዌንዛ ንምቁጽጻር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ታኪን ይቕተሉ ከምዘለው ተገሊጹ።
ዛጊት በቲ ሕማም ልዕሊ 5000 ሳገምቲ ኣዕዋፍ ማይ ኣብ ሕዛእቲ ተፈጥሮ ሁላ ሞይቶም ኣለው።
ሚኒስተር ኣከባቢ እስራኤል ታማር ዛንድበርግ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ታሪኽ እስራኤል “ንእንስሳ ዘገዳም ዝሓየለ ጉድኣት” ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጽዎ።
ሓረስቶት’ውን ፍርቂ ሚልዮን ዝኾና ደርሁ ክቐትሉ ክግደዱ እንከለው፡ ኣብ ቀረብ እንቋቕሖ ሕጽረት ከየጋጥም ተሰጊኡ ኣሎ።
ዛጊት ናይቲ ብ H5N1 ዝፍለጥ ቫይረስ መልከፍቲ ኣብ ሰባት ኣይተመዝገበን።
እንተኾነ ግና ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታሊ በኔት ብሰኑይ ምስ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነትን ካልኦት ክኢላታትን ተራኺቡ እቲ ቫይረስ ናብ ሰባት ዘይመሓላለፈሉ መገዲ ንምውሓስ ከምዝተመያየጠ ተገሊጹ።
ምስተን ዝተለኽፋ ኣዕዋፍ ቅርበት ዝነበሮም ሰባት መከላኸሊ ሕክምና ይወሃቦም ኣሎ።
ሽሕ’ኳ ካብ ኣዕዋፍ ናብ ሰባት ናይ ምሕላፍ ተኽእሎ ትሑት እንተኾነ፡ ካብ 2003 ንደሓር ኣብ ዙርያ ዓለም 456 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዝሞቱ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም ይነግር።
ብበዓልመዚ ተፈጥሮን ሕዛእትን እስራኤል ዝተዘርግሐ ስእልታት፡ ሓለውቲ ጫካ ነተን ዝሞታ ኣዕዋፍ ካብ ቀላይ እናኣከቡ የርእይ።
ብዘይካ’ዚ 250 ዝሞታ ኣዕዋፍ ማይ ኣብ ከባቢታት ስንጭሮ ሁላ ክረኣያ እንከለዋ 30 ዝሓመማ ኣዕዋፍ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ተራእየን።
ሕዛእቲ ተፈጥሮ ሁላ መስሕብ ቱሪስቲ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ እቲ ኩነታት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ተዓጽዩ ኣሎ።
ኢንፍሉዌንዛ ኣዕዋፍ ብባህሪ ኣብ ሳገምቲ ኣዕዋፍ ማይ ዝርአ ኮይኑ ምልክታት ኣየርእን።
ዘቤታውያን ኣዕዋፍ ግና ኣዝየን ተነቀፍቲ ኮይነን እቲ ቫይረስ ምስዝርአ፡ እተን ክልከፋ ዝኽእላ ኩለን ኣዕዋፍ ክቕተላ ይምከር።
ብመሰረት ጸብጻብ መራኸቢ ብዙሓን እስራኤል ነቲ ለብዒ ንምቁጽጻርን ናብ ሰባት ናይ ምስግጋር ተኽእሎ ንምጉዳልን ኣብ ሞሻቭ ማርጋልዮት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን እንቋቕሖ ዘፍርያ ደርሁ ተቐቲለን ኣለዋ። ሞሻቭ 7% ናይቲ ኣብ እስራኤል ዝሓልኽ እንቋቕሖ ዝፈርየሉ ምዃኑ’ውን ይግለጽ።
ኣብ እስራኤል እቲ ለብዒ ኢንፍሉዌንዛ ኣዕዋፍ 18 ጥቅምቲ ኣብ ሞሻቭ ናሃላል ከምዝተራኣየ ‘ዘ ታይምስ ኦፍ ኢዝራኤል’ ጸብጺቡ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ከኣ ኣብ ኪቡዝ ኣብ ዝርከቡ ክልተ መፍረ ደርሁ ከምዝተርኣየ’ውን ጠቒሱ።