ደቡብ አፍሪቃ፡ ብሞት ጅግና ተቓላሳይ ሊቀ-ጳጳስ ዴዝሞን ቱቱ ናይ 7 መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ

በዴዝሞን ቱቱ ሞት ሐዘናቸውን ሚገልጹ ሰዎች

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ደቡብ አፍሪቃ፡ ሕልፈት በቲ ብፍላይ ኣንጻር -ኣፓርታይድ ብካየድዎ ቃልስን መሪሕነትን ኣዝዮም ዝሕበንሉ፡ ወዲ 90 ዓመት ሊቀ-ጳጳሳት ዴዝሞን ቱቱ ምዝካር ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ሓዘን ስነ-ስርዓት ኣዊጃ ኣላ።

ቱቱ፡ ብመንግስታዊ ሃገራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከምዝቕበሩን፡ ቅድሚኡ ግና ኣብ ከተማ ኬፕታውን ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ምፍናው ስርዓት ክግበረሎም እዩ።

ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ፍራንሲስ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ከምኡ'ውን ንግስት ኤልሳቤጥን ካልኦት ዓበይቲ መራሕቲ ዓለምን ብሞት እቶም ጳጳስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ኣብ መግለጺኡ፡ ዴዝሞን ቱቱ "ናጻ ዝኾነት ደቡብ አፍሪቃ ንምፍጣር ብዙሕ ለፊዑ" ኢሉ።

“ካልእ ናይ ሓዘን ምዕራፍ ኣብ ሃገርና” ክብል ንሞት ዴዝሞንድ ቱቱ ኣመልኪቱ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ራማፎዛ፡ "ሓደ ካብቶም ናጽነታ ዝተኣወጀ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምውራስ ዘይርሳዕ እጃም ዝነበሮም ዜጋታት" እታ ሃገር ከምዝነበሩ ጠቒሱ።

ቱቱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮነ ብደረጃ ዓለም ካብ ሞንጎ ዝለዓለ ዓቢ ዝና ዝነበሮም ፍሉጣት ሰባት ሓደ ነይሮም።

ዴዝሞን ቱቱ፤ ብ1984 ኣፓርታይድ ንምቅላስ ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ሽልማት ኖቤል ተዋሂብዎም።

ሕልፈት ቱቱ፡ ደቡብ አፍሪቃውያን ንሃገራዊ ጀግናታት ኣብ ኬፕታውን ቅዱስ ጊዮርጊስ ካቴድራል ጠጠው ኢሎም ምስ ገለጹ ድሕሪ ሕደ ሰሙን እዩ ኣጋጢሙ።

ብሬንት ጎልያድ ዝተብሃለ ሓዘንተኛ፡ "ሎሚ ንጎሆ ሕልፈቶም ምስ ሰማዕኩ ኣዝየ ስምዒታዊ ኾይነ ነይረ" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ካልኦትከ እንታይ ኢሎም?

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን "ብሞት ሓቀኛ ናይ እግዚኣብሄር ሰብን ኣገልጋሊ ህዝብን ልበይ ተሰይሩ ኢሉ። ኣበርክቶ ቱቱ ዶባት ዝሳገርን ንዘመናት ክቃላሕ ዝነብርን እዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ብወገኑ"መምህር፣ ዓርኪ ከምኡ'ውን በዓል ርቱዕ ሕልና" ክብል ገሊጽዎ።

ንግስቲ እንግሊዝ ኤልዛቤት ብወገና፡ ዴዝሞን ረኺባ ኣብ ዘዘራረበትሉ 'ወርቃዊ' ዝበለቶ እዋን፡ ንሶም ተጻዋትን ተዋዛይን ምንባሮም ገሊጻ።

“ሕልፍት ሊቀ-ጳጳስ ዴዝሞን ቱቱ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሓሊፉ ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣብ ሰሜን አየርላንድ ከምኡ'ውን ኣብ ኣባል ሃገራት ማሕበር ኮመን ዌልዝ ሓዘን ፈጢሩ እዩ" ኢላ እታ ንግሰቲ።

ጳጳስ ፍራንሲስ ብወገኖም ንኣባላት ስድረኦምን ንፈተውቶምን 'ፅንዓት ይሃብኩም' ዝብል መግለጺ ልኢኾም።

ከምኡ'ውን ፋውንዴሽን ኔልሰን ማንዴላ ብሕልፈት ቱቱ ዝተሰመዖ ሐዘን ገሊጹ።

"ቱቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ መላእ ዓለም ኢ-ፍትሓዊነት ተሪሮም ተቐሊሶም እዮም። እዚ ድማ ነጻነት ወድ ሰብ ካብ ዓᎁቕ ግንዛበ ዝመንጨወ እዩ። ዝተፈለየ መራሒ፣ ርህሩህን ግዱስን ነይሩ"ኢሉ እቲ ፋውንደሽን ኣብ መግለጺኡ።