ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ኣብ ናይ ትማሊ ጸዋታ ብዝተሰምዐ ዓሌታዊ ጸርፊ ቁጥዕኡ ገሊጹ

ተጻወትቲ ኣርሰናል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ጋንታ ሊድስ ዩናይትድ ትማሊ ምስ ኣርሰናል ኣብ ዝነበረ ጸዋታ ንዝተሰምዐ ዓሌታዊ ጸርፊ ስዒቡ ደገፍቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ኣፍሊጣ።

እታ ጋንታ፡ ኣብ ሜድኣ ብጋንታ ኣርሰናል 4 ብ 1 ኣብ ዝተሰዓረትሉ እዋን ካብ ደገፍቲ ዓሌታዊ ጸርፊ ስለዝተሰምዐ ገለ ኣብ ቀይዲ ብምእታዎም ምጽራይ ክካየድ ከምዝጀመረ ሓለፍቲ እታ ጋንታ ገሊጾም።

ንጋንታ ኣርሰናል ዝጻወት ሮብ ሆልዲን፡ ኣብ መበል 33 ደቂቓ ናብ ራብዓይ ዳኛ ከይዱ፡ ካብ ወገን ደገፍቲ ሊድስ ዩናይትድ ዓሊታዊ መጥቃዕቲ ከምዝሰምዐ ሓቢሩ።

“ኣብ ሊድስ ዩናይድት ዓሌታውነት ኣይንጻወርን” ዝበለ ምምሕዳር እታ ጋንታ ብድሕሪ’ቲ ዝካየድ ምጽራይ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ሓቢሩ።

“ዝኾነ ይኹን ደጋፊ ነቲ ዓሌታዊ ዘረባ ከምዝተዛረበ እንተተረጋጊጹ ዕድመ ልክዑ ንግጥማት ሊድስ ዩናይትድ ብኣካል ተረኺቡ ከይከታተል ክእገድ’ዩ” ኢሉ ምምሕዳር እታ ጋንታ ኣብ መግለጺኡ።

ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣርሰናል ማይክል ኣርቴታ ብወገኑ “ነዚ ከምዚ ዝበለ ነገር ደው ንምባል ብዘሕ ጻዕርታት’ኳ እንተገበርና ሕዚ ከጋጥም ምስማዕ ኣዝዩ ዘጉህይ እዩ” ኢሉ።

“እቲ ጉዳይ ኣጋጢሙስ ጥርዓን ቀሪቡ’ሎ። ቀጻሊ ስራሕ ናይ መሪሕነት እዩ ዝኸውን። ብወገነይ ግን ዝብሎ ነገር የብለይን” ክብል’ውን ተዛሪቡ።

ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ነቲ ጉዳይ የጻርዮ ምህላዉ ኣፍሊጡ’ሎ።