ኣብ ህንዲ፡ ካብ ኣብ ግዳም ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘሎ ብከላ ኣየር ከምዝገድድ ተሓቢሩ

Published

ዋና ከተማ ህንዲ ኣብ ዝኾነት ደልሂ መጠን ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝፍጠር ብኽለት ኣየር ናብ ኣዝዩ ዘሻቕል ደረጃ ከምዝበጽሐ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

መጠን እቲ ንሳምባ ብዝለዓለ ደረጃ ክጎድእ ዝኽእል ብናን ወይ ኣብ ኣየር ዝሳንሰፈፍ ኣዝዩ ደቀቕቲ ነገራት ኣብ ውሽጢ ገዛ “ኣዝዩ ዝለዓለ” ኮይኑ ከምዝተረኸበ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ደገ ክርከብ ዝኽእል ዝዛየደ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እዚ ሓደጋ ብዝለዓለ ደረጃ ከምዘንጸላለወ እንተተሓበረ’ውን ግን ዝበዝሑ ስድራቤታት ናይ ምክልኻል ስጉምቲታት ንምውሳድ ድልዋት ኣይኮኑን።

ከተማ ደልሂ ብቐጻሊ ሓንቲ ካብ ሞንጎ “ኣብ ዓለም ዝለዓለ ብኽለት ዝረኣየለን ርእሰ ከተማታት” ኮይና ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ካብ ኢንዳስትሪታት ዝወጽእ ትኪ፣ ኣቦራ፣ ናይተን ብሚልዮናት ዝቑጸራ መኻይን፣ ሓረስቶት ዘንድድዎም ተረፈ ምህርቲ፣ ‘ደዋሊ’ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ በዓል ህንዳውያን ዝትኮስ ርሺ (ርችት) ከምዝኾኑ ይጥቀስ።

ካብዚ ብዝነቅል ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ድኻ ዜጋታት ካብቶም ሃብታማት ብዝዛየደ ንብኽልት ኣየር ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ ይግመት ነይሩ። ከምኡ ከምዘይኮነ ግን ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ’ሎ።

ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ጸዓት (ኢነርጂ) ቺካጎ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ኣብ ዘካየዶ ሓደ መጽናዕቲ ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ድኻታትን ሃብታማትን ክፋላት ሕብረተሰብ ብማዕረ ግዳያት ብኽለት ኣየር ከምዝኾኑ ይሕብር።

ዋላ’ውን እቶም ሃብታማት መከላኸሊ ብኽለት ዝኸውን መሳርሒ ኣብ ገዝኦም እንተገጠሙ ማዕረ ምስቶም ድኻታት ንብኽለት ከምዝሳጥሑ የመልክት።

ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ዶክተር ኬኔት “ኣብ ህንዲ ሃብታም ወይ ድኻ ምዃን [ብመንጽር ብኽለት ኣየር] ብዘሕ ለውጢ የብሉን” ይብል።

መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዓለም ምስ ብኽለት ኣየር ብዝተሓሓዝ ጸገማት ጥዕና ምኽንያት ዓመታዊ 7 ሚልዮን ሰባት ህይወቶም ይስእኑ።

ኣብ ቀረባ እዋናት ዝዝርግሑ ዘለዉ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘሎ ብኽለት ካብቲ ኣብ ደገ ዘሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ሓደግኡ ዝዓዘዘ’ዩ።

ኣብ ዓለም ዝለዓለ ብኽለት ኣየር ካብ ዝረኣየለን 30 ከተማታት እተን 20 ኣብ ህንዲ ይርከባ።

ኣብታ ሃገር ዓመታዊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ምስ ብኽለት ኣየር ብዝተሓሓዝ ጠንቂ ጥዕና ንሞት ይቃልዑ።