ሩሲያ ‘ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሰፊሕ መጥቃዕቲ’ ክትፍንው ከምእትኽእል ኣመሪካ ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ብዛዕባ እታ ዓብይ ወጥሪ ዓሲልዋ ዘሎ ዩክሬን ኣብ መጻኢ ሰሉስ ብቪድዮ ክዘራረቡ ምዃኖም ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን "መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከምዝተለመት” ዘርኢ መረዳእታ ኣመሪካ ከምዘረኸበት ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ፕሬዚዳንት ፑቲን ንዩክሬን ንምውራር ናይ መወዳእታ ውሳነ ከምዝበጽሐ ግልጺ ኣይኮነን ኢሉ።
ሩስያ ብወገና፡ ናይ ምጥቃዕ ኾነ ናይ ምውራር ሓሳብ ከምዘይብላ ውድቂ ገይራ፡ እኳ ደኣስ ዩክሬን ሰራዊታ ብዝለዓለ ብርኪ ተበርትዕ ከምዘላ ከሲሳ።
ፕሬስ ሴክሬተርያት ዋይት ሃውስ፡ ጄን ሳኪ፡ ብቀዳም ኣማስዩ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ሩስያን ዩክሬንን ዘዋስን ዶብ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ከምኡ’ውን ኣመሪካ ንግዝኣታዊ ሓድነት ዩክሬን ዘለዋ መርገጺ ከፍልጥ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ዩክሬን፡ ሩስያ ኣብ ከባቢ ዶብ ዕጥቂ ዝሓዙ ተሽከርከርትን ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒ ኲናትን ከምኡ’ውን ኣስታት 94 ሽሕ ወተሃደራት ኣጸጊዓ ከምእትርከብ ከሲሳ።
ሩስያ፡ ኣብ 2014 ግዝኣት ክሪሚያን ካብ ዩክሬን ምስ ኣሕደገት ልዑል ቁጽሪ ዘለዎ ኣጽዋርን ሰራዊትን ናብቲ ከባቢ ክተጽግዕ ንመጀመርታ እዋን እዩ።
ሚኒስትር ምክልኻል ዩክሬን ኦሌክሲይ ሬዝኒኮቭ፡ ጸብጻባት ድሕነት ብምጥቃስ ሩስያ ኣብ ወርሒ ጥሪ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ተዳልያ ከምዘላ ተዛሪቡ።
እቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ሩስያ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ዝጸንሐ ዝሓርፈፈ ርክብ ናብ ወጥሪ ከይወስዶ ተስጊኡ ኣሎ።
ባይደን፡ እቲ ብሩስያ ከይፍጸም ብዙሓት ዝሰግእዎ ዘለዉ ተግባር ‘ኣጸጋምን ፈታንን ክኸውን ክገብሮ እየ” ክብል ንፕረዚደንት ፑቲን ኣጠንቂቑ።
ሩስያ ስጉምቲ ትወስድ እንተኾይና፡ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ኣብ ልዕሊኣ እገዳ ንምንባር ተዘራሪበን እየን።
ዩክሬን ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን አትላንቲክ [ኔቶ] እንተዘይኮነት’ኳ፡ ምስቲ ኪዳን ዝጠበቐ ርክብ ከምዘለዋን ጸረ ታንክ ሚሳኤላት ኣመሪካ (ጄቭሊን) ሓዊሱ ካብ ምዕራባውያን ብዙሕ ከበድቲ ኣጽዋራት ድጋፍ ከምትረክብ ይዝረብ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
